ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ ስርዓት ቀብሪ ገዲም ስነ ጥበበኛ ኡስታዝ ኣልአሚን ዓብደለጢፍ ሎሚ ተፈጺሙ


ስነ ስርዓት ቀብሪ ገዲም ስነ ጥበበኛ ኣልአሚን ዓብደለጢፍ ሎሚ 8 ነሓሰ 2017፣ፍርቂ መዓልቲ፣ሰበ ስልጣን መንግስቲ፣ ስድራ ቤት፣መሳርሕቱን ፈትውቱን ህዝብን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

"መምህር ኣላልአሚን ,ኣብ ዘመናዊ ሙዚቃ ትግረን ትግርኛን ዓቢ ኣበርኽቶ ዝገበረን ብመሳርሕቱን ህዝብን ፍቱውን ነይሩ" ይብሉ መተዓቢቱን ኣብ ማትኣ መሳርሕቱን ዝነበሩን ሓደ ካብ ቀዳሞት መስረቲ ማትኣ ዝኾኑ ኣቶ ጃብር መሓሙድ።

መምህር ኣልአሚን ካብ መጀመርያ 1960ታት ኣብ ማሕበር ምምሕያሽ ሃገራዊ ልምዲ(ማምሃል)ን ማሕበር ትያትር ኣስመራ(ማትኣ)ን ካልኦት ባንድታትን፣ካብ 1974 ዓ.ም ክሳብ መፋርቕ 1980ታት ኣብ ሃገረ ስዑዲ ዓረብ፣ ካብ1988-1994 ዓ.ም ኣብ ኣሜሪካ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1994 ዓ.ም ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ምስ ማትኣ፣ጉጅለ ባህሊ ሓደ ባህግና፣ከምኡ'ውን ካብ 1998 ዓ.ም ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ኣብ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝተፈላለዩ ናይ ፍቕሪ ፣ማሕበራዊ ናብራን ሃገራዊ ትሕዝቶ ዝነበሮም ደርፍታት ንህዝቢ ከምዘበርከተ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሩ ዝተነበበ ታሪኽ ሂወቱ ይገልጽ።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG