ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገዲም ስነ-ጥበባዊ ዎስታዝ ኣልኣሚን ዓብደልለጢፍ ዓሪፉ


ስነ-ጥበባዊ ኣልኣሚን ዓብደልለጢፍ
ስነ-ጥበባዊ ኣልኣሚን ዓብደልለጢፍ

ገዲም ስነ-ጥበባዊ ኣልኣሚን ዓብደልለጢፍ ኣብ መበል 78 ዕድሚኡ ሎሚ ንግሆ ኣብ ኣስመራ ዓሪፉ።

ካብ መንጎ መስረቲ `ማሕበር ምምሕያሽ ሃገራዊ ልምዲ` ድሓር ድማ ማሕበር ትያትር ኣስመራ ዝነበረ ነባር ድምጻዊ ኣል ኣሚን ዓብደልለጢፍ፡ ኣብ 60ታትን 70ታት ካብ ዝፈረዩ ህቡባት ድምጻዊያን እዩ።

“እስታዝ” ማለት “መምህር” ዝብል መጸውዒ`ውን ዝነበሮ ኣልኣሚን፡ ብቛንቋታት ትግረን ትግርኛን ብምድራፍ ይፍለጥ።

ድምጻዊ ኣልኣሚን ካብ መንጎ ዘፍረየን ፍሉጣት ደርፋታት፡ “ሰብ ንኸብዱ ጥራይ ኣይኮነን ዝነብር” ትብል፡ ንህይወቱ ከይተረፈ ኣብ ሓደጋ እተእቱ ደርፊ ክትጥቀስ ትከኣል።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ እስታዝ ኣልኣሚን ዓብደልለጢፍ ጽባሕ ሶሉስ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ከም ዝፍጸም ንምፍላጥ ተኻኢሉ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ገዲም ስነ-ጥበባዊ ኣልኣሚን ዓብደልለጢፍ ዓሪፉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:25 0:00


XS
SM
MD
LG