ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ጸብጻብ መሰላት ደሞክራሲ ተሰሪዓን


ፍሪደም ሃውስ (Freedom House) ዝተባህለ ተጣባቒ መሰረታዊ መሰላት ሓርነት ደሞክራሲ ኣብ ናይ 2018 ጸብጻቡ: ብደረጃ ዓለም ንመበል 12 ግዜ ንመትከላት ደሞክራሲ ዘቑሙ ርትዓውነት ምርጫን ሓርነት ፕረስን ከምዘንቆልቆሉ ኣፍሊጡ።

ጸብጻብ ፍሪደም ሃውስ ኣብ ዓመተ 2017 ናይ 195 ሃገራት ደረጃ ከምዝተጸንዐ ዝሓበረ ክኸውን እንከሎ: በዚ ድማ 88 ሃገራት ናጽነት ደሞክራሲ ዘለወን፤ 58 ሃገራት ከፊላዊ ናጸነት ደሞክራሲ ከምኡውን 49 ሃገራት ናጽነት ዘይብለን ተባሂለን ክምመያ ከምዝኸኣላ ኣፍሊጡ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ መሰላት ደሞክራሲ ይርከባ። ኤርትራ ካብ መወዳእታ ኣብ 3ይ ደረጃ ኢትዮጵያ ድማ ብተመሳሳሊ ካብ መወዳእታ ኣብ መበል 12 ደረጃ ከምዝተሰርዓ እቲ ካብ ፍሪደም ሃውስ ዝተረኽበ ጸብጻብ የረድእ።

ቻይና፣ሩሲያን ሰሜን ኮሪያን ምርግጋእ ዓለም ኣብ ስግኣት ክወድቕ ካብ ዝገበራ ሃገራት ገሊአን እየን ይብሉ ክኢላታት፤ኣብ ደቡብ ኣሜሪካንን ኣፍሪቃን ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ዞባታት ኸኣ ምምሕያሽ ተራእዩ’ሎ።

ዳርጋ ኣብ ኩሎም ኩርንዓት ዓለም ኣብ ዲሞክራሲ መጥቓዕቲ ይፍጸም ከምዘሎን ዲሞክራሲ እናንቆልቆለ መፂኡ’ሎ ክብል ሓድሽ ፀብፃብ ንሓርነት ሲቪልን ካልኦት ዴሞክራሲያዊ ነፃነትን ሃገራት ዝከታተል Freedom House ሓቢሩ።

ኣርች ፐዲንግተን ኣብ ፍሪደም ሃውስ ክኢላ እዮም።ንሶም ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ይብሉ።

“ንተኸታታሊ 12 ዓመታት ኣብ ዙርያ ዓለም ነፃነት እናንቆልቆለ መፂኡ’ሎ።ኣብ 2017 ኣብ ክንዲ ምምሕያሽ ነፃነት ምንቁልቋል ዝተርኣየን ብዙሓት ሃገራት ኣለዋ።”

ጸብጻብ ፍሪደም ሃውስ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:53 0:00

እዚ ጸብጻብ ንኣሜሪካ እውን ዝሕውስ’ዩ።ኣብ 2016 ዓ.ም. ምስ ዝተኻየደ ምርጫ ምትእትታው ሩሲያ እንተነይሩ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ምርመራ መርኣያ ዴሞክራሲ ተባሂላ ናይ እትፅዋዕ ሃገር ደረጃ ክዳኸም ገይሩዎ’ሎ።

ከም ቻይና ዝኣመሰላ ሃገራት ዓፈናን ቅድመ ምመያን ወይ ሳንሱርን ኣሐይለን ቀፂለን ከምዘለዋ ክኢላታት ይገልፁ።

ሙስሊም ሮሂንጃዊያን ካብ ማይንማር ናብ ባንግላዲሽ ዝገብሩዎ ጃምላዊ ፍልሰት ብዙሓት ሃገራት ሰብኣዊ ቅልውላው ኢለንኦ ኣለዋ።ኣሜሪካ ብወገና ምፅናት ዓሌት ክትብል ፀዊዓቶ እያ።

ክኢላታት ናይ ዚምባቤ ፕረዝዳንት ካብ ስልጣኖም ምብራር ስዒቡ መፃኢ ፖለቲካዊ ኩነታት እታ ሃገር ጥርጣረ ብዝተሓወሶ ተስፋ ይሪኡዎ።

ክኢላ ፍሪደም ሃውስ ኣርች ፓዲንግተን ዚምባቤ ኣብ ናይ 2017 ደረጅኣ ከምዝወረደ ይገልፁ።ምኽንያቱ ድማ ሙጋቤ ብዴሞክራሲያዊ ኣገባብ ተደፊኦም ምውራዶምን ዴሞክራሲያዊ ብዘይኮነ መስርሕ ድማ ብኻልእ ዝተተክእሉ ኣገባብ ኔሩ ይብሉ።

ኣብ ሜክሲኮ ሓዊሱ ኣብ ደቡብን ማእኸላይን ኣሜሪካ ምልክታት ምምሕያሽ ተራእዩ’ሎ።ኣብ ፅላሎት ቻይናን ሰሜን ኮሪያን ዝርከባ ደቡብ ኮሪያን ታይዋንን ኣወንታዊ ምልክታት ፖለቲካዊ ምዕባለታት ይርኣዩ ኣለው።

“ብዴሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርፁ መንግስታት ፖለቲካዊ ምምሕያሻት ንምትግባር ድልየት ከርእዩ ከለው ኣወንታዊ ምዕባለ እዩ።”

ምሉእ ትሕዝቶ ደረጃ ሃገራት ትሕት ኢሉ ኣብ ዝርከብ ኣሃዛዊ ሓበሬታ ይርከብ።

መፅናዕቲ ካብ ዝተኻየደለን 195 ሃገራት ዓለም እተን 88 ሃገራት ወይ 45 ሚእታዊት ነፃ፣58 ሃገራት ወይ 30 ሚእታዊት ብኽፋል ነፃ 49 ሃገራት ወይ 25 ሚእታዊት ድማ ነፃ ዘይኮና ብዝብል ተመዲበን ኣለዋ።

ዝኸፍአ ነጻነት ዘለወን ተባሂለን ወይ ካብ 100 ነጥቢ ትሕቲ 10 ነጥቢ ዝረኸባ ፖለቲካዊ ነፃነትን ስቪላዊ ሓርነት ዝተሓረመን ሃገራት ድማ ብቕደም ስዓብ ሶሪያ፣ደቡብ ሱዳን፣ኤርትራ፣ሰሜን ኮሪያ፣ቱርከምስታን፣ኢኳተሪያል ጊኒ፣ስዑዲ ዓረብ፣ሶማሊያ፣ኡዝበክስታን ፣ሱዳን፣ሪፓብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪካን ሊቢያን ተሰሪዐን ኣለዋ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ጸብጻብ መሰላት ደሞክራሲ ተሰሪዓን
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:33 0:00

XS
SM
MD
LG