ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሩ ዝቐነየ ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ተፈቲሑ


ኣንቶኒ ጋሊንዶ
ኣንቶኒ ጋሊንዶ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ህውከት ንምፍጣር ውዲት ብምእላም ብዝብል ተጠርጢሩ ኣብ ቐይዲ ዝኣተወ ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ኣንቶኒ ጋሊንዶ ትማሊ ሓሙስ ካብ ማእሰርቲ ምፍትሑ ዋና ኣሰናዳኢ ናይ እቲ ዝሰርሓሉ ትካል ኣፍሪካ ኢንተሊጀንስ ገሊፁ።

ዋና ኣሰናዳኢ ፖል ደዩችማን “ኣንቶኒ ጋሊንዶ ድሕሪ ናይ ሓደ ሰሙን ማእሰርቲ ተፈቲሑ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ፓሪስ ክምለስ ኪኢሉ ኣሎ” ኢሉ።

ጋሊንዶ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት ንዝተኻየደ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ሽፋን ንምሃብ እዩ ናብ ኢትዮጵያ ኸይዱ። እቲ 36 ዓመት ዝዕድሚኡ ሪፖርተር “ህውከት ንኽፍጠር” ውዲት ክኣልም ተረኺቡ ብዝብል ክሲ ሰበስልጣን እታ ሃገር 22 ለካቲት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ይፍለጥ።

ጋሊንዶ ቅድሚ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምውፅኡ ንኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ ደሓን እየ ዘለኹ፣ ኣብ ፅቡቅ ጥዕና እውን ይርከብ።” ድሕሪ ምባል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሕማቅ ኣተሓሕዛ ምህላዉ እንተገለፀ እኳ “ፅቡቅ ክንክን እዮም ገይሮሙለይ” ክብል ተዛሪቡ።

ዶይችማን ምፍታሕ ጋሊንዶ ነቶም ክረኽብዎ ተሃንጥዮም ዝፀንሑ መሳርሕቱ ኣፍሪካ ኢንተሊጀንስ “ናይ ብሓቂ እፎይታ” እዩ ኢሎም።

ጋሊንዶ ምስ ኣባል መሪሕነት ተቃዋሚ ፓርቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ሆቴል ድሕሪ ምርኻቡ እዩ ተኣሲሩ።

ወሃቢት ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰላማዊት ካሳ ንኣሶሴይትድ ፕረስ ከምዝበለኦ ጋሊንዶ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ከሎ ዝተዋህቦ ፍቃድ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪካ ሽፋን ንምሃብ እዩ። “ይኹን ድኣምበር ምስቲ ዝኣተወሉ ምኽንያት ዝዋቃዕ ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሓበሬታ ክእክብ እዩ ተረኺቡ” ኢለን።

ንማእሰርቲ ጋሊንዶ ብምቅላዕ ክፍታሕ ክፅውዕ ዝፀንሐ ኮሚቴ ድሕነት ጋዜጠኛታት (CPJ) ምፍትሑ “ፅቡቅ ዜና” እዩ ብምባል ኢትዮጵያ ነቶም ተኣሲሮም ዝርከቡ ካልኦት ጋዜጠኛታት እውን ክትፈትሖም ሎሚ ዓርቢ ፀዊዑ።

ከም ሓበሬታ ዶብ ኣልቦ ሪፖርተራት ካብ 1 ጥሪ 2024 ጀሚሩ ዛጊት 15 ጋዜጠኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ይርከቡ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዘሎ ጎንፂ ስዒቡ መንግስቲ ህፁፅ ኣዋጅ ዝኣወጀ ኾይኑ ኣብ መፈለምታ ወርሒ ለካቲት ድማ ነቲ ኣዋጅ ብምሕዳስ ሰበ-ስልጣን ሰዓታት እቶ እቶ ክእውጁን ዝኾነ ጥርጡር ብዘይ ፍቃድ ክፍተሽን ክትሓዝን ከምዝኽእል የፍቅድ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG