ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ኢትዮጵያ ንሓደ ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ኣብ ቐይዲ ኣእትዩ


ኣንተኒ ጋሊዶ
ኣንተኒ ጋሊዶ

ፖሊስ ኢትዮጵያ ንሓደ ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ሁከት ብምፍጣር ብምጥርጣር ኣብ ቐይዲ ኣእትዩ።ኣፍሪካን ኢንተሊጀንስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣንተኒ ጋሊዶ ዝሓለፈ ሓሙስ ዝተኣስረ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ስራሕ ተመዲቡ ከሎ`ዩ ኢሉ። እቲ ጋዜጠኛ ዝሓለፈ ቀዳም ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ምንባሩን ማእሰርቱ ክሳብ መጋቢት ሓደ ክጸንሕ ዳኛ ከም ዝፈረደን ኣስራሒኡ ሓቢሩ`ሎ።

ጠበቕኡ`ውን ኣብቲ ቃለ-ምስክርነት ምንባሩ ዝጠቐሰ ኣፍሪካን ኢንተሊጀንስ ነቲ ዘይምኽኑይ ዝበሎ ማእሰርቲ ብምዅናን ቀልጢፉ ክፍታሕ ጸዊዑ`ሎ። ወሃብቲ ቃል መንግስቲ ኮነ ፖሊስ ርእይቶ ክህቡ ተሓቲቶም ምላሽ ኣይሃቡን።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንናጽነት ፕረስ ብምድራት፡ ብፍላይ ድማ ንግጭታትን ጸጥታዊ ቅልውላውን ሽፋን ኣብ ምሃብ ብተደጋጋሚ ንኢትዮጵያ ክኸሱ ጸኒሖም ኣለዉ።

ነዚ ዳሕራዋይ ማእሰርቲ ጋዜጠኛ ዝኾነነ ኮሚቴ ድሕነት ጋዜጠኛታት ሲፒጀይ ብወገኑ፡ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ነሓሰ ጀሚራ ብውሕዱ ሸሞንተ ጋዜጠኛታት ምእሳራ ኣፍሊጡ`ሎ። ኣብ ቀረባ ዓመታት ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ከይሰርሑ ፍቓድ ክኽልከሉ ጸኒሖም`ዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG