ኣዋርሕ ድሕሪ ዝወሰደ ዝርርብ፡ ምቍራጽ ተጻብኦታት ቓዛ ተበጺሑ ኣሎ። ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ብዘሎ ስእነት ምትእምማንን ክፍተትን ግን እቲ ጎንጺ ክደግስ ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ዓቢ’ዩ ይብል ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ።
ምስ ኣመሪካን ግብጺን ኰይና ነቲ ምቍራጽ ተጻብኦታት ዝሸምገለት ቐጠር፡ እቲ ንሽዱሽተ ሰሙናት ዝጸንሕ ምቍራጽ ተጻብኦታትን ምፍታሕ ጂሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ እስራኤላውያንን ዘላቒ ክኸውን ምዃኑ ትትስፎ።
ውሕስነት እቲ ስምምዕ ዘሰክፎም ወገናት ግን ብዙሓት’ዮም። ዝርዝር ናይቲ ስምምዕ ገና ወግዓዊ ስለ ዘይኾነ፡ ኣብቲ ዝርዝራት ክህሉ ዝኽእል ክፍተት ዘሻቕሎም ወገናት'ውን ኣለዉ።
ፈለማ ዝተኣወጀ ስምምዕ ናብ ተግባር ንምውራዱ ዝወሰደ ግዜ ሓደ ካብ መርኣያ ናይቲ ስእነት ምትእምማን ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ። ኣብተን ሰለስተ መዓልታት ምድንጓይ ጥራይ እስራኤል ደብዳብ ከቢድ ብረት ቀጺላ፡ ሸሞንተ ቀቲላ፡ 25 ምቝሳላ ድማ ሓደ ኣብነት ናይቲ ክፍተት’ዩ ይብሉ።
ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጉዳያት ቐጠር ኣብ ኣልጀዚራ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠየቕ፡ ሸምግለቲ ንትግባረኡ ኣብ ካይሮ ብዝህሉ መቆጻጸሪ ስፍራ ኰይኖም ይከታተልዎ። እቲ ተቖጻጻሪ ኮሚተ ድማ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ቓዛ ክኣቱ፡ ምልውዋጥ እሱራት ክፍጸም፡ ሰራዊት እስራኤል ክስሕቡን ፍልስጤማውያን ድማ ናብ መንበሪታቶም ክምለሱን ካብ ርሑቕ ክከታተል'ዩ።
ኣብ ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ (International Crisis Group) ዝሰርሕ ጁስት ሂልተርማን፡ ተፈጻምነት ናይቲ ስምምዕ እቶም ኣዛተይቲ’ውን ኣውሓስቲ ክዀኑ ምስ ዝኽእሉ’ዮም ይብል።
ካብተን ሰለስተ ሸምግለቲ ሃገራት ኣመሪካ ብምንባራ ዓቢ ሚዛን ጸኒሑዎ’ዩ። ሰኑይ መሪሕነት ዝተረከበ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ግን ንውሕስነት እቲ ምቍራጽ ተጻብኦ ኣመልኪቱ “ኣጣራጣሪ’ዩ” ስለ ዝበለ ነቲ ዝነበረ መጠናዊ ተስፋ መሊሱ የፍኩሶ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እምበኣር’ዩ እቲ ተንታኒ፡ ውሕስነትን ቀጻልነትን እቲ ስምምዕ ኣብ ምልክት ሕቶ’ዩ ዝብሎ።
ቀዳማይ ገጻ ናይቲ ስምምዕ ኣብ ሽዱሽተ ሰሙናት ዝትግበር ኰይኑ፡ ሓማስ ሒዙዎም ዝጸንሐ 33 እስራኤላውያን ክለቅቕ፡ እስራኤል ብግደኣ 1,900 ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ፍልስጤማያውን ክትፈትሕ’ዩ። እቲ ካልኣይ ገጽ ናይቲ ስምምዕ ከኣ ብምሉኦም ጂሆ ተታሒዞም ዘለዉ ዜጋታት እስራኤል ምፍናውን ነቲ ኲናት ብዘላቕነት ንምዝዛሙን’ዩ። እዚ ግን ዝርዝራቱ ኣብ ከይዲ ዝርአ’ዩ።
እስራኤል ንሓማስ ፈጺማ ክትድምስስ’ያ ነቒላ ነይራ። ዛጊት ግን ሓማስ ኣይተደምሰሰን፡ እቲ እስራኤል ዕጥቁ ክፈትሕ እተቕርቦ ዘላ ጠለብ ድማ ዝማላእ ኣይመስልን። ብኣንጻሩ ሓማስ ነቲ ን17 ዓመታት ዝዘለቐ ከበባ ቓዛ ክእለ’ዩ ዝጠልብ ዘሎ። እዚ ኣብ መንጎ ክልተኦም ወገናት ዘሎ ክፍተት ዘርእይ’ዩ።
ብውሑድ ጸብለልታ ዝመርሕ ዘሎ ናታንያሁ፡ ካብ ውሽጢ ካቢነኡ ነቲ ምቍራጽ ተጻብኦ ዝቃወም ድምጽታት ይዓቢ ኣሎ። ክሳብ ክንደይ ነቲ ጸቕጢ ክስከሞ ከም ዝኽእል ከኣ ብሕጂ ዝርአ’ዩ።
ሓማስ፡ ምናልባት ድሕሪኡ ሕነ ከይፍደዮ ብዝህሉ ስግኣት፡ ንዅላቶም እቶም ጂሆ ሒዙዎም ዘሎ ክለቅቕ ዝኽእል እንተዀይኑ ሓደ ካብቲ ኣዘራራቢ ዘሎ ጉዳያት’ዩ።
ካልኦት ዘቕርቡዎ ስግኣት፡ እቶም ጂሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ እስራኤላውያን ምስ ተፈትሑ ናታንያሁ ንስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ከተግብሮ ዝኽእል እንተዀይኑ’ዩ።
ቅጥዒ