ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ዝተባሃለ ሞት' ሚኒስትር ወጻኢ ኤርትራ ዝነበረ ሃይለ ድሩዕ ንኩነታት ኣብያተ ማእሰርቲ'ታ ሃገር ዘቃለዐ'ዩ


ኣቶ ሃይለ ወልደትንሳኤ
ኣቶ ሃይለ ወልደትንሳኤ

ዝሓለፈ ለካቲት ሚኒስትር ወጻኢ ዝነበሩ ኣቶ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ከምዝሞቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ተዘርጊሑ’ዩ። ኣቶ ሃይለ ድሩዕ ካብ 2001 ዓም ጀሚሩ እዮም ተኣሲሮም።

ቅድሚ 8 ዓመት ምስ ኣልጃዚራ ቃለ ምልልስ ዝገበረ ዋርድያ ቤት ማእሰርቲ ሃይለ ድሩዕ ብህይወት ኣሎ ግን ዓዊሩ’ዩ ከምዝበለ ዝዝከር’ዩ።

ዝሓለፈ ወርሒ ሓደ መንነቱ ዘይገለጸ ምንጪ ማሕበራዊ ሚድያ ድማ ‘ሃይለ ድሩዕ ሞይቱ’ ኢሉ’ሎ። እቲ ኣባሃህላ ብናጻ ምንጪ ኣይተረጋገጸን።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ስልጣን ካብ ዝሕዙ ካብ ዕለተ ነጻነት 1993 ብሓይሊ ይመርሑ’ለው። ቅድሚ 5 ዓመት መግለጺ ዘውጸአ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ኣብ ኤርትራ 34 ሚስጢራዊን ፍሉጣትን ኣብያተ ማእሰርቲ ኣለው ከምዝበለ ይፍለጥ።

እቲ ሪፖርት ወሲኹ ‘መንግስቲ ኤርትራ 10 ሽሕ ፖለቲካዊ እሱራት ሒዙ ኣሎ፣ ሓዲኦም’ውን ናብ ፍርዲ ኣይቀረቡን’ ይብል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:01:07 0:00

XS
SM
MD
LG