ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኬንያን ሶማልን ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ኣስታት 40 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኬንያን ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ
ኣብ ኬንያን ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ

ኣብ ኬንያን ሶማልን ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናብን ጋሻ ወሕጅን ብውሑድ 40 ሰባት ምሟቶምን ብዓሰርተታት ኣሻሓት ድማ ካብ መንበሪኦም ከምዝተፈናቀሉ ትካላት ረድኤት ኣፍሊጠን።

ኣብ ሶማል ብሰንኪ'ቲ ዝናብን ውሕጂን ብውሑድ 25 ሰባት ድሕሪ ምሟቶምን፣ ኣባይቲ፣ ጽርግያታትን ድልድላትን ድሕሪ ምዕናው፣ መንግስቲ’ታ ሃገር ህጹጽ ጊዜ አዊጁ አሎ። ሰራሕተኛታት ሓደጋ፣ ናብ 2400 ብውሑጅ ዝተገድዑ ሰባት ንምድሓን ይጽዕሩ ኣለው።

ኣብ ኬንያ፣ብመሰረት ጸብጻብ ቀይሕ መስቀል ክሳብ ሰንበት ዝወቅዐ ብርቱዕ ዝናብ፣ ኣብ 241 ሄክታር መሬት ተዘሪኡ ንዝነበረ እኽሊ ኣጥፊኡዎ፣ ን1067 ጥሪታት ቀቲሉ።

ናይ ኬንያ ክፍሊ ትንበያ ኩነታት ኣየር፣ ሎም ዘበን ብርቱዕ ዝናብ ከምዝወቅዕን ምቅርራብ ንክግበር ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣጠንቂቆም ነይሮም እዮም። ፕረዚደንት ኬንያ ግና ንህዝቦም ‘ዝስዕብ ሓደጋ ኣይክህሉን እዩ፣ ኣይትሻቀሉ’ ከምዝበሉዎም፣ ትካል ዜና ኣሶሴትድ ፕረስ ዘዳለዎ ሪፖርት ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG