ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ከቢድ ዝናብን ውሕጅን 24 ሰባት ሞይቶም


 ኣብ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ውሕጅ - ካብ ሕ/ሃ ጨንፈር ኢትዮጵያ
ኣብ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ውሕጅ - ካብ ሕ/ሃ ጨንፈር ኢትዮጵያ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሌ ኣብ ዝሓለፋ ሰሙናት ብተኸታታሊ ብዘጋጠመ ሓያል ዝናብን ዝሰዓበ ውሕጅን 24 ሰባት ምሟቶምን ልዕሊ 24-ሽሕ ሰባት ከኣ ካብ መንበሪኦም ምዝባሎምን’ቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ክልል ካብ ዝርከባ 11 ዞባታት እተን ሸሞንተ በቲ ዝናብ ዘስዓቦ ውሕጅ ጉድኣት ከምዝወረደን ተገሊፁ’ሎ።

ኣብቲ ክልል ኣተሓባባሪ ቤት ጽሕፈት ቅድመ መጠንቀቅታን ሓደጋን ኣቶ በሽር ኣረብ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል በቲ ሓደጋ ልዕሊ 42-ሽሕ ስድራቤታት ጉድኣት ከም ዝወረዶምን ቁፅሪ ዝሞቱን ዝተመዛበሉን በብጊዚኡ እናወሰኸ ምዃኑ ገሊፆም።

ብሰንኪ'ቲ ውሕጅ መንገድታት፡ መግብን ሸቀጣትን ናብ ከባቢኦም ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ከም ዘይኣተወ ነባሪ ዞባ ሊበን ወረዳ ዳሞሌ ዝኾኑ ኣቶ ዓብደላሂ ኢሳቅ ሓሰን ገሊጾም።

ምስ ስፍሓት’ቲ ሓደጋ ክነፃፀር ከሎ እቲ ክልል ዝህቦ ደገፍ ውሱን ምኻኑ ዝገለፁ ኣቶ በሸር እቲ ውሕጅ ኣብ ልዕሊ መንገድታት፡ ንብረትን ዝለምዓ ናይ መስኖ መሬትን ጉድኣት ምስዓቡ ገሊፆም’ለዉ። ንሶም ቀጺሎም ፌደራል መንግስቲ ተወሳኺ ደገፍ ክገብር መፀዋዕታ ከም ዝቀረበ’ዉን ሓቢሮም ኣለው።

ናይቲ ክልል ኣመሓዳሪ ኣቶ መስጠፌ መሃመድ ሎሚ ንዶሎኣዶ ክዕዘቡ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ዝናብ ብዘይምቑራፅ ን24 ሰዓታት ምውቕዑ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ከተማ ድሬዳዋ ገሊፁ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG