ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈላማይ ክታበት ኮቪድ 19 ተጀሚሩ፤ሓዱሽ ተስፋ ሂቡ ኣሎ


ፌደራል መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ዘፅደቖ ፈላማይ መጠን ክታበት ኣብ ቅድሚት መስመር ይሰርሑ ንዘለው ሰራሕተኛታት ጥዕና ምሃብ ተጀሚሩ።ኣብ ኣሜሪካ ጥራሕ ንልዕሊ 300,000 ሰባት ሞት ምኽኒያት ዝኾነ ኮረናቫይረስ ንምዕጋት ኣብ ዝካየደ ግጥም ሰበስልጣን ጥዕና ኣገዳሲ ምዕባለ ክብሉ ፀዊዖምዎ ኣለው።

ፈላማይ ዙር ክታበት ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ምጅማሩ ኣንፃር ኮቪድ 19 ኣብ ዝካየድ ግጥም ወሳኒ ምዕራፍ እዩ።ነቲ ክታበት ዝወሰደት ነርስ ሳንድራ ሊንድሰይ ድሕሪ ስቅያትን ሞትን ሕሙማት ኮቪድ 19 ምዕዛባ ፈላመይቲ ተኸታቢት ንምዃን ኣይተጠራጠረትን።

‘’ኣብ ታሪኽና ዘጋጠመና ናይ ስቂያት ግዜ ናብ መወዳእታ መጀመሪያ ምዕራፍ ክኸውን ተስፋ እገብር’’ በለት።

ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ምስ ኮቪድ 19 ብዝተኣሳሰረ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 300,000 ኣብ ዝኣተውሉ እዩ እዚ ክታበት ተጀሚሩ ዘሎ።እቲ ለበዳ ንሆስፒታላት ብምጭንናቕ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ከቢድ ጉድኣት ምውራዱ ቀፂሉ ኣሎ።

ኣብ ፈላማይ ምግዓዝ ናይቲ ክታበት ኩባኒያ መድሓኒ ፋይዘር ኣብ መላእ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ 636 ቦታታት ኣብፂሑ ኣሎ።ምንስቴር ጥዕናን ሰብኣዊ ኣገልግሎትን ኣሌክስ ኣዛር ተስፋ ኣብ መንገዲ ኣሎ ኢሎም።

‘’ኣብዛ ንዘራረበላ ዘለና ስዓት ህይወት ኣድሕን ፍሪያት ክታበት ዝፅዓና መካይንን ነፈርትን ይመፃ እየን ዘለዋ።ኣሜሪካዊያን ክታበት ክረኽቡ እዮም።ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ን2.9 ሚሊዮን ሰባት ዝኸውን ክታበት 2.9 ሚሊዮን /Dose/ መጠን ዘለዎ ክታበት ክግዕዝ እዩ’’ ኢሎም።

ፈላሞት ክታበት ዝረኽቡ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ተባሂሎም ዝውሰዱ ሰራሕተኛታት ጥዕና፣ነበርቲ ማእኸላት መሐብሐቢ ዓበይቲ ዝኣመሰሉ እዮም።ኣብ መወዳእታ ፅዲያ 2121 ኣ\ፈ ንኩሉ ህዝቢ ክቐርብ ትፅቢት ይግበር።ኣብ ቫንደርቢልት ዩኒቨርስቲ ፕሮፌሰር ቲኤስ ሃርቪ ሃለዋት ናይቲ ክታበት እቲ ለበዳ ከብቅዕ ኣይገብርን ይብል።እቲ ዘድሊ ነገር ነቲ ክታበት ክወስድ ቅሩብ ዝኾነ ህዝቢ ክህሊ ከሎ እዩ ይብል።

ናይቲ ለበዳ ጥፍኣት ካብ ህዝቢ ዩናይትድ ስቴትስ ዝዘለለ ስለዝኾነ እቲ ሓደጋ ከብቅዕ ሓባራዊ ፃዕሪ የድሊ ይብሉ ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዶክተር ቢል ፔትሪ።

‘’ኣብ ኩለን ሃገራት ዓለም እቲ ክታበት እንተድኣ ዘይተፈፂሙ ክንቆፃፀሮ ኣይንኽእልን።ተዘይኮይኑ ቀፃሊ ለበዳ፣ቀፃሊ ፀገማት እዩ ክህልወና’’ ኢሎም።

ብሪታኒያን ካናዳን ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ሃገራት ምጥቃም ናይ ፋይዘር ክታበት ፈቒደን ኣለዋ።ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዙሪያ ዓለም ልዕሊ ሓምሳ ክታበታት ኮቪድ 19 ኣብ ሰባት ይፍተኑ ከምዘለው ገሊፁ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG