ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፅዋዕ ዓለም ብራዚል 2014 ጀሚሩ


SOCCER-WORLD/M01-BRA-CRO
SOCCER-WORLD/M01-BRA-CRO
ድሕሪ ድሙቅ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ዝጀመረ መበል ዕስራ ግጥማት ፅዋዕ ዓለም ብፀወታ ብራዚልን ክሮኤሽያን ተዓጂቡ።

ኣብ’ቲ ዝሒሉ ዝጀመረ ግጥም ክልቲኤን ሃገራዊ ጋንታታት ኣቀዲማ ሸቶ ዘመዝገበት ጋንታ ክሮኤሽያ‘ያ።ግን ብራዚላዊ ተከላኻላይ ማርሴሎ‘ዩ ኣብ ገዛእ ጋንትኡ ሸቶ ኣመዝጊቡ።ከምኡ ኮይኑ‘ውን ጋንታ ክሮኤሽያ‘ያ ኣብ ቀዳሞት ኣስታት ሰላሳ ደቃይቅ ፀብለልታ ኣርእያ ነቲ ፀወታ ተቆፃፂራቶ።

ሓደገኛ ተፃዊትካ ተባሂሉ ብጫ ካርድ ዝራኣየን ተደጋጋሚ ፈተነታት ዝገበረን ኔይማር ንብራዚል ማዕረ ትገብር ሸቶ ኣመዝጊቡ።እቲ ፀወታ 1 ን 1 ዕረፍቲ ኮይኑ።

ድሕሪ ዕረፍቲ፣ብዙሕ ዝማርኽ ፀወታን ቅዲ ፀወታን ኣይተራኣየን።ከም‘ቲ ሓደ ተንታኒ ቴሌቭዥን ዝበሎ strange performance ወይካኣ ዘይትፅበዮ ዓይነት ፀወታ‘ዩ ነይሩ።ክሳብ ኣብ መበል 69 ደቂቃ ኣሳሓሓቢት ፍፁም ቅላዕ መቅፃዕቲ ንጋንታ ብራዚል ዝተዋሃበሉ ሰዓት።ቁፅሪ 10 ኔይማር ቀሊዑዋ፣ሓላዊ ማዕፆ ክሮኤሽያ ነታ ኩዕሶ ኣርኪቡላ ነይሩ፣ግን ካብ ኢዱ ኣምሊጣ።ኔይማር ንርእሱን ንጋንትኡን ካልአይቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ።ብራዚል 2 - ክሮኤሽያ 1።

ንደቃይቅ ብክሮኤሽያዊያን እናተቀጥቀጠ ዝዋዓለ ማዕፆ ብራዚል ዘይኮነስ ኣብ መወዳእታ ደቃይቅ ብካርሎስ ዝተደፍረ ማዕፆ ክሮኤሽያ‘ዩ ደምዩ። ሳልሳይ ሸቶ ተመዝጊቡ፣እቲ ፀወታ ብዓወት ጋንታ ብራዚል ተዛዚሙ።
XS
SM
MD
LG