ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጥርዓን ሓረስቶት ራያ ኣላማጣ ብዝምልከት ሓበሬታ የብለይን ይብሉ ኣማሓዳሪ እቲ ወረዳ


ሓረስቶት ጣብያ ጥሙጋ ቁሸት ቢትሞ

ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ሓረስቶት ዘመናዊ ድኹዒ እንተዘይጠሊብኩም ሓገዝ እኽሊ ኣይትወሃቡን ተባሂልና ይብሉ።

እቶም ሓረስቶት ብተወሳኺ ዘበናዊ ድኹዒ ምዕዳግን ሓገዝ እኽሊ ምርካብን ነንበይኑ እዩ ኢልና’ውን ጠሪዕና ዛጊት ሰማዒ ኣይረኸብናን ይብሉ።

ዋና ኣማሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣይተ ገብረእግዝኣብሔር ወልደገብርኤል ብኣንፃሩ ብዛዕባ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ጥርዓን ሓረስቶት ሓበሬታ ከምዘይብሎም እዮም ዝዛረቡ።

ኣይተ ገብረእግዝኣብሔር ዘበናዊ ድኹዒ ምጥቃም መሰል እምበር ግቡእ ስለዘይኰነ በዚ መዳይ ተበዲለ ዝብል እንተሃልዩ ክነፃሪ ኢና ኢሎም።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ጥርዓን ሓረስቶት ራያ ኣላማጣ ብዝምልከት ሓበሬታ የብለይን ይብሉ ኣማሓዳሪ እቲ ወረዳ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:39 0:00

ኣብዚኣ'ሞ

ባይቶ ኣመሪካ ብ HR-128 ዝፍለጥ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊን ዲሞክራስያዊ መሰላትን ንኽሕሎ ዝጠልብ ረቂቕ ኣሕሊፉ ኣሎ። እዚ ረቂቕ'ዚ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG