ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ኣብ ከተማ ባህርዳር ብዝተተኾሰ ነታጉ ዝቆሰለ እምበር ዝሞተ ሰብ የለን" ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን’ቲ ክልል


ከተማ ባህርዳር
ከተማ ባህርዳር

ኣብ ከተማ ባህርዳር አብ ዝሓለፈ ቀዳም ሰለስተ ህቡባት ስነ ጥበባዊያን ኣብ ዘዳለውዎ ኮንሰርት ሙዚቃ ብዘጋጠመ ናይ ቦምብ ሓደጋ ዝሞተ ሰብ የለን ዝቆሰሉ አባላት ፖሊስ’ውን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይረኽቡ ኣለው ክብል ምምሕዳር ክልል ኣፍሊጡ።

ስሞም ክገልጹ ዘይደለዩ ነባሪ ግን በቲ ነታጉ ክልተ አባላት ፈደራል ፖሊስ ሞይቶም ሓሙሽተ ሰባት ድማ ቆሲሎም ኢሎም።

ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኼሽን ክልል ኣምሓራ አቶ ንጉሱ ጥላሁን ሎሚ ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝበልዎ በቲ ዝተተኾሰ ነታጉ ዝቆሰሉ እምበር ዝሞተ የለን ኢሎም።

ኣብቲ እዋን ምፍንጃር’ቲ ነታጊ ኣብ መድረኽ ዝነበረት አርቲስት ኹኩ ሰብስቤ ንሳን ብጾታን ብደሓን ምውጽኦም ገሊጻ ግን ዝወረደ ጉድአት ምህላዎ ትፈልጦ እንተሃልያ ተሓቲታ ኣይፈለጥኩን ክትብል ንድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኣምሓርኛ ገሊጻ’ላ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG