ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ውድድር ዝርኣዮ ኣይኮነን ኢሎም ኣብ U.S ዝርከቡ ክኢላታት ቐርኒ ኣፍሪቃ


ዝመጽእ ሰንበት ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ፓርላመንታዊ ምርጫ ብሰንኪ ዝተዳኸመ ድምበ ተቓውሞን ብሰንኪ ምሉእ ዕብለላ ገዛኢ ሰልፍን፡ እዚ ዝብሃል ውድድር ዝርኣዮ ኣይኮነን ክብሉ ኣብ`ዚ ኣብ ዩስ ዝርከቡ ኽኢላታት ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተዛሪቦም

ዝመጽእ ሰንበት ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ፓርላመንታዊ ምርጫ ብሰንኪ ዝተዳኸመ ድምበ ተቓውሞን ብሰንኪ ምሉእ ዕብለላ ገዛኢ ሰልፍን፡ እዚ ዝብሃል ውድድር ዝርኣዮ ኣይኮነን ክብሉ ኣብ`ዚ ኣብ ዩስ ዝርከቡ ኽኢላታት ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተዛሪቦም።

ኣብ 2005 ዝተገብረ ምርጫ ኸቢድ ውድድር ዝተራእዮ ምንባሩ ይዝከር። ሽዕኡ ተቓወምቲ ምቑጻር ድምጺ ተደናጊሩ`ዩ ዝብል ክሲ ምስ ኣቕረቡ፡ ዕግርግር ተላዒሉ መብዛሕቲኦም ደገፍቲ ተቓወምቲ ዝኾኑ 200 ዝኾኑ ሰባት ተቐቲሎም። ሕጂ ግን ገዛኢ ሰልፊ ኢትዮጵያ፡ ኸምቲ ናይ ዝሓለፈ ምርጫ ዓይነት ንኸይድገም ዝወሰነ ይመስል ይብሉ ኽኢላታት ኣፍሪቃ።

ኣብ ቀረባ ኣብ ኢትዮጵያ ኸም ፖሊቲካዊ ኣማኻሪት ኾይና ዝሰርሐት ፕሮፈሰር ኣህጉራዊ መጽናዕቲ ኮለጅ Oberlin- Eve Sandberg፡ እቶም ተቓወምቲ ዳርጋ ጠፊኦም`ዮም ትብል። “መራሕቲ ተቓወምቲ: ወይ ተኣሲሮም ወይ ናብ ስደት ኣምሪሖም ወይ ድማ ንቕድሚት ክስጉምሉ ዝኽእልሉ መንገዲ ስለዘይተራእዮም ገዲፎሞ`ዮም። ኸም ተቓወምቲ እንተቐሪቦም ብዙሓት ኻብኦም ይቕተሉ ወይ ይእሰሩ ወይ ይንከላበቱ”።

XS
SM
MD
LG