ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝተኻየደ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ፓትሪያሪክ ምርጫ ሕጋዊ ኣይኮነን ክብል ኣብ ወፃኢ ዝርከብ ሲኖዶስ ተቓዊሙ


ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ፓትሪያሪክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ዝተሓረየ ዝኾነ ይኹን ጳጳስ ሹመት እምበር ምርጫ ኣይኮነን ክብል ኣብ ስደት ዝርከብ ቅዱስ ሲኖዶስ ነቲ ናይ ትማሊ ምርጫ ተቓዊሙዎ።

ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶድክ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትማሊ ዘካይዶ ናይ ፓትሪያሪክ ምርጫ ፓትሪያርክ እናሃለው ፓትሪያሪክ ኮይኖም ተሸይሞም እምበር ተመሪፆም ኢልና ኣይንቕበሎን ክብሉ ኣቡነ መልከ ፀዲቅ ዋና ፀሓፊ ኣብ ስደት ዝርከብን ንባዕሉ ሕጋዊ ኢሉ ዝፅውዕን ሲኖዶስ ገሊፆም።ሹመት እምበር ምርጫ ኢልና ኣይንፅውዖን፤ኣይንቕበሎን ኢሎም ብምውሳኽ።

ፓትሪያሪክ እናሃለወ ፓትሪያሪክ ኮይኑ ዝሽወም ውጉዝ ስለዝኾነ ነቲ ምርጫ ኣውጉዝናዮ ኢና ዝበሉ ኣቡነ መልከ ፀዲቅ ንቕድሚት እንዘራረብ እውን ‘’ወያነ’’ ኢሎም ምስ ዝፀውዕዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ እምበር ምስታ ቤተ ክርስቲያን ከምዘይኸውን ተዛሪቦም።እታ ቤተ ክርስቲያን ኣፋ ተልጒሙ እዩ’ውን ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲ ዝሰፍነሉ እዋን ክመፅእ ይኸውን እዩ፤እታ ቤተ ክርስቲያን’ውን መሰል ክህልዋ እዩ፤ምስኦም ክንዘራረብ ንኽእል ኢና ክሳብ ሽዑ ግን ኣሽንዃይዶ ንምዝርራብ ዝኾነ ይኹን ሰብ ነቲ ምርጫ ክቕበሎ የብሉን ኢሎም እቶም ዋና ፀሓፊ።
XS
SM
MD
LG