ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`መብዛሕትኦም ካብ ናይጀርያ ዝኾኑ ኣስታት ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ጥልያን ኣትዮም`


ብመርከብ ኖርወይ ዝደሓኑ ስደተኛታት - ኣብ ገማግም ጥልያን መጋቢት 29,2016
ብመርከብ ኖርወይ ዝደሓኑ ስደተኛታት - ኣብ ገማግም ጥልያን መጋቢት 29,2016

ቁጽሪ ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኣውሮጳ ዝበጽሑ ስደተኛታት ክውስኽ'ዩ' ክብል ዓለም-ለኸ ትካል ስደተኛታት ገሊጹ።

መብዛሕትኦም ካብ ናይጀርያ ዝኾኑ ኣስታት ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ጥልያን ኣትዮም ክብል ዓለም-ለኸ ትካል ስደተኛታት ገሊጹ።

ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ሓዊሱ ኣብ ዝቕጽል ኣዋርሕ ቁጽሪ’ቶም ነዚ ጉዕዞ ፈጺሞም ኣውሮጳ ዝበጽሑ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ክውስኽ’ዩ ዝብል ትጽቢት ከምዘሎ’ዩ ተገሊጹ።

‘ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኤርትራ፡ሱዳን፡ኢትዮጵያ፡ሶማልን ዝኾኑ ፍልሰተኛታትን ስደተኛታትን ብሊብያ ኣቢሎም ኣብ እዋን ጽድያ ከምዝመጹ ንፈልጥ ኢና። ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ ኣይመጹን ስለዚ እዚ ናይ ሕጂ ቁጽሪ ክውስኽ ንጽበዮ ኢና’ ይብሉ ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ዓለም ጆወል ማለሚን።

ንሶም ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ግሪክ ብመሰረት ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ዝፈጸመቶ ውዕል ስደተኛታት ናብ ቱርኪ ክትመልስ ጀሚራ’ላ እንተኾነ ግን ካልኦት ፍልሰተኛታት ስደተኛታትን ብሊብያ ኣቢሎም ማእከላይ ባሕሪ ምስጋር ጥልያን ይኣትዉ’ለው ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG