ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣውሮፓ ዕቑባ ዝሓቱ ዘለው ኤርትራዊያን ክንኪ እዩ ብዝብል ተስፋ ናይ ሚሊዮናት ልምዓታዊ ሓገዝ ክህብ እየ ኢሉ


ሕብረት ኣውሮፓ ንኤርትራ ዝልግሶ ሓገዝ በዝሒ እቶም ኣብ ኣውሮፓ እናኣተው ዕቑባ ዝሓቱ ዘለው ኤርትራዊያን ክንኪ እዩ ዝብል ተስፋ ከምዘለዎ ትማሊ ሰሉስ ገሊፁ።

ብበዝሒ ስዱዳት ካብ ሶሪያዊያን ቀፂሎም ብጀላቡ ብምስጋር ኣብ ጣሊያን ዝኣትው ኤርትራዊያን እዮም።ብዝተፀቓቐጣ ጀልባታት ኣቢሎም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓደገኛ ጉዕዞ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ዝገበሩ ኣስታት 3,000 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ኣለው።

ሕቡራት መንግስታትን ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ኤርትራ ሕማቕ ሰብኣዊ መሰላት ሰባት ካብ ሃገሮም ንክሃድሙ ምኽንያት እዩ ይብሉ።

ገለ ወገናት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ስጉምቲ ክውሰድ ይፅውዑ።ኤርትራ ግን ንቶም ክስታት ትነፅጎም።

ነቨን ሚሚካ ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ኮሚሽነር ዓለምለኸ ምትሕብባርን ልምዓትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሮይተርስ ኣብዝሃብዎ ቃል ሕብረት ኣውሮፓ ነቲ ቅልውላው ደው ንምባል ኣብተን ምንጪ ስዱዳት ዝኾና ሃገራት ንዝፍጠር ማሕበራውን ቁጠባውን ምግላል ንምፍታሕ ክፍትን እዩ ኢሎም።

‘’በዚ ክርአ ከሎ ‘’ ኢሎም ሚሚካ ‘’በዚ ክርአ ኣብ ኤርትራ ንምስጓም መስርሕ ሰብኣዊ መሰላትን ዴሞክራስን ጥራሕ ከይኮነስ ነዊሕ ዝፀንሐ ድልየት ልምዓት ንምርዋይ እውን ክሕግዝ እዩ’’ኢሎም።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት UNHCR ቁፅሪ ኤርትራዊያን ሓተቲ ዕቑባ ኣብ ኣውሮፓ ኣብተን ቀዳሞት 10 ኣዋርሕ 2014 / ብሰለስተ ዕፅፊ ብምውሳኽ ኣስታት 37 ሽሕ ከምዝበፅሐን ካብዚኦም እቶም 34 ሽሕ ብባሕሪ ዝኣተው ምዃኖምን ይሕብር።

ኤርትራ ንሕግታት ሰብኣዊ መሰላት ዕሽሽ ብምባል ኣብ ልዕሊ ህዝባ ብርቱዕ መንግስታዊ ቁፅፅርን ጨካን ዓፈናን ከምእትፍፅም ኣብ መጀመሪያ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ዝወፀ ግዚያዊ ፀብፃብ መርማሪ ሕቡራት መንግስታት ገሊፁሎ።

ብመሰረት ዲፕሎማሰኛታት ሕብረት ኣውሮፓ ብራስለስ ንፀዓትን ካልኦት ዘፈራትን ዝውዕል ንኤርትራ ብዙሕ ሚሊዮናት ዩሮ ናይ ልምዓት ባኬጅ ንምሃብ ትልሚ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ዓመታት ዝፍፀመ ኣብ 2007 ኣ/ፈ ናይ 130 ሚሊዮን ዶላር ረድኤት ኣፅዲቑ እዩ ። ወሃቢት ቃል- ሕብረት ኤውሮጳ ሻሮን ዛርብ፡ ብሓሙስ ናብ ቪኦኤ ኣብ ዝለኣኸቶ መብርሂ፡እቲ ኮሚሽነር ኤውሮጳ ነቨን ሚሚካ ዝተዛረብዎ ነቲ ኣብ መበል 10 ፕሮግራም ልምዓት ዝቐረበ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ 122 ሚሊዮን ካብ 2008 ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘሎ እዋን ናብ 53.7 ሚሊዮን ዶላር ከምዝነከየ ሓቢራ`ላ።

XS
SM
MD
LG