ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም


ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ዘይሕጋዊያን ሰራሕተኛታት ካብ ሃገራ ክወጹ ዝእዝዝ ውሳኔ ምሕላፋ ስዒቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም አለው። ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ግን ገና ብዙሓት ዘይተመልሱ ከምዘለውን እዞም ዜጋታት ናይ ምጥራስ ስጉምቲ ወይ ማእሰርቲ ከምዝጽበዮም ይገልጹ።

ስዑዲ ዓረብ አስታት 400,000 ዘይሕጋዊያን ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያዊያን ኣብታ ሃገር ከምዘለው ክትገልጽ ከላ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ግን ክሳብ ሕጂ ንኣስታት 130,000 ሰባት ጥራይ ክምዝግብ ምኽኣሉ ይገልጽ።

ስዑዲ ዓረብ ዘይሕጋዊያን ሰራሕተኛታት ዜጋታት ወጻኢ ሃገራት ካብ ሃገራ ክወጹ ዝሃበቶ ናይ 90 መዓልታት ናይ ጊዜ ገደብ ሓምለ 25,2017 ዓ.ም ምዝዛሙ ይፍለጥ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:34 0:00

ገለ ካብቶም ብሰላም ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ብምምላሶም ሕጉሳት ምኳኖም ይገልጹ።

ሉባባ ጠጁ ሓንቲ ካብ ተመለስቲ ኮይና ከምዚ ትብል።

“ናብ ሃገረይ ብምምላሳይ ሕጉስቲ እየ። ብስደት ናብ ሃገራት ዓረብ ካብ ዝኸይድ ኣርባዕተ ዓመታት ኣቑጺረ ሕጂ ግን ይአክል ስደት ኢለ ኣብ ሃገራይ ጽዒረ ክነብር እየ።”

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ አቶ መለስ አለም መንግስቲ ነዞም ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ኣብ ምድላው ይሰርሕ ምህላዎ ይገልጹ።

“መንግስቲ ነዞም ዜጋታትን ንመንእሰያትን ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ዝሰርሓሉ ገለ ናይ ገንዘብ ሓገዝ አሎ። እዞም ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝምለሱ ዘለው ዜጋታት ድማ አካል ናይዚ ተበግሶ እዮም።”

ይኹን ደአ እምበር እዚ መስርሕ ምምላስ ስደተኛታት መንግስቲ ዘይተጸበዮ ከምዝኮነ’ውን ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ አቶ መልስ አለም ኣይሓብኡን።

“እቲ ውሳኔ ብወገንና ክግበር ዘለው ነገር ኣብ ግምት ከየእተወ’ዩ ተወሲኑ። ብተወሳኺ ንክንዲ’ዚ ዝአኽል ሰብ ኣብዚ ሓጺር ጊዜ ናብ ሃገሩ ክምለስ ከሎ ናቱ ዝኾነ ብድሆ አለዎ። ከምትፈልጥዎ ስዑዲ ዓረብ ዓባይ ሃገር እያ፡ እዞም ዜጋታት ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት እታ ሃገር ዝነብሩ ዝነበሩ እዮም።”

መብዛሕትኦም ካብዞም ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ዜጋታት ኣብ ስራሕ ኣገልግሎት ገዛን ኣብ ምዕባይ ቆልዑ ዝሰርሑ ዝነበሩ ክኾኑ ከለው ዝበዝሑ’ውን ኣብ አጸጋሚን ከቢድ ኩነታት ዝሰርሑ ዝነበሩ እዮም።

ከም ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ዝአመስሉ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ስዑዲ ዓረብ ትርኸብን ሃገራት ወሽመጥ ብዝኽተልዎ ዘይግቡእ አተሓሕዛ ሰራሕተኛታት ናይ ወጻኢ ዜጋታት ክንቕፉ ጸኒሖም’ዮም።

ትርሓስ ፍሰሃዬ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት ናብ ሃገራ ዝተመልሰት ኮይና ብዛዕባ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዘሎ ኩነታት ከምዚ ትብል።

“ኣብ ኣገልግሎት ስራሕ ገዛ ንዝተዋፈራ ሰራሕተኛታት ድንጋጸ ዝበሃል የብሎምን። ከም ደቂ ሰባት’ውን ኣይቆጽሩናን እዮም። ንደኽም ኮይኑ ኣይስምዖምን።በእዚ ድማ ንህይወትካ ከምትጸልእ ትኸውን፡ እዚ ኮይኑ’ውን ቁሩብ ገንዘብ አዋህሊልካ ናብ ዓዲ ክትሰድድ ብዝብል ንኩሉ ክትጻወር ትፍንት።”

ኢትዮጵያ ዋላ’ኻ ሓንቲ ካብተን ቅልጡፍ ምዕባለ ዘመዝግባ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ትኹን ደአ እምበር ሓደ ሲሶ ካብቲ 99 ሚልዮን ህዝባ ብትሕቲ 1.90 ዶላር ንመዓልቲ ዝነብር እዩ ክብል ጸብጻብ ባንኪ ዓለም ይገልጽ።

ናብ ሃገራት ዓረብ ካብ ዝስደዱ ዜጋታት እታ ሃገር ብተወሳኺ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሓደገኛን አሰቃቂን ጉዕዞ ይፍጽሙ።

ኢፍቱ መሓመድ ኣብ 2014 ዓ.ም ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝተሰደደት ኮይና አደ ሓሙሽተ ቆልዑ’ያ ብተወሳኺ ንወለዳን አሕዋታን’ውን ከምትድግፍ ትገልጽ።

“ሕጂ’ውን እንተኾነ ናብ ካልእ ሃገር ምኳደይ ዘይተርፍ’ዩ። ከመይ ኢለ ደአ ኣብዚ ኮፍ ክብል? ብጣዕሚ ብዙሕ ወጻኢታት አለኒ፡ ንደቀይ ዘድልይ መግቢ፡ ናይ ትምህርቲ ወጻኢ፡ክዳውንቶም፡ ገዛ ክራይ ነዚ ኩሉ ከመይ ጌረ ክኽእሎ?”

ገለ ካብዞም ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ኢትዮጵያዊያን ብሕጋዊ መንገዲ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝአተው ግን አብታ ሃገር ክጸንሕሉ ዝግባእ ጊዜ ዘሕለፉ ክኾኑ ከለው፡ ገለ’ውን ስራሕ ብምቕያሮም ነቲ ብሕጋዊ መንገዲ ዝአተውሉ ወረቐት ዝሰአኑ ከምኡ’ውን ብዘይሕጋዊያን አሰጋገርቲ ናብታ ሃገር ዝአተው ይርኸብዎም።

ገለ’ውን መንበሪ ፍቓዶምን አተዓራርዮም ኣብ ስዑዲ ክጸንሑ ዝደልዩ’ውን አለው።

XS
SM
MD
LG