ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቃውሞ ዳያስፖራ ተጋሩ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት


DEMONSTRATION IN DC
DEMONSTRATION IN DC

ኣብ ዝተፈላለያ ዓበይቲ ከተማታት ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይን ደገፍቶምን፣ ዝሓለፈ ረቡዕ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ሒዞም ድምጺ ተቃውሞ ከምዘቃልሑ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ብሰንኪ ቴክኒካዊ ጸገም አብ ጊዜኡ ክነቅርበልኩም ዘይምኽኣልና ይቅሬታ ንሓትት። እቲ ሰልፊ ኣብ 15 ከተማታት ዩናይትድ ስቴትስ፣ ካናዳ፣ አውሮጳ፣ እስራኤልን ኣውስትራልያን እዩ ተካይዱ።

ምክትል ፕረዚደንት ድሕነትን ፍትሕን ህዝቢ ትግራይ ዝተባሃለ ውዳበ ዶ/ር ሙሉጌታ ገ/ሄር ‘መንግስቲ ቱርኪ አብ’ዚ ቀረባ እዋን ሰብ አልቦ ነፈርቲ ንኢትዮጵያ ንክሸጥ ዘኽእል ውዕል ገይሩ ዝብል መረዳእታ ስለዝበጽሓና፣ ንምጽናት ህዝቢ ትግራይ ዝውዕል ኩናት ዘጓሃህር እዩ ዝብል ገምጋም አለና ይብል።

‘ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣሜሪካ’ እውን ናይ ድጋፍ መግለጺ ዘርጊሑ ኣሎ። ርክብ ህዝቢ ‘ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣሜሪካ ኣቶ ኢሳያስ ተወለ ብወገኑ ‘አብ ዝተፈላለየ ህዝቢ ትግራይ ዝወደቦ ሰልፊታት ክንካፈልን መግለጺታት ክነውጽእን ጸኒሕና ኢና። ንዓና ሓድሽ ኣይኮነን’ ይብል።

እቶም ሰልፈኛታት፣ ዕላማ’ቲ ሰልፊ ‘መንግስቲ ቱርኪ ‘ኣባል ሃገራት ኔቶ (ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ) ኣብ ሕጉ ዓንቀጽ 2 ‘ኩለን ኣባል ሃገራት፣ ብደረጃ ዓለም፣ ሰላማዊን ምሕዝነታዊ ርክብን ንክፍጠር ይሰርሓ’ ንዝብል መትከል ብምጥሓስ ንኢትዮጵያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ንክትሸጠላ ተዋዓዒላ ኣላ’ ይብሉ። ኣብ ዘረባና ‘ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ ኤምባሲ ቱርክ ግብረ መልሲ ንክህበሉ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን፣ ቪኦኤ ብወገኑ ‘ቱርኪ ንኢትዮጵያ ድሮን ንክተቅርበላ ተሰማሚዓ እንተኾይና ካብ ሳልሳይ ወገን ከረጋግጽ ኣይካኣለን።

please wait

No media source currently available

0:00 0:08:07 0:00


XS
SM
MD
LG