ኢህወዴግ ንምምዝባል ሓረስቶት ምቅዋምና ካሊእ ትርጉም ብምሃብ ፀቕጢ ክፈጥረልና እናፈተነ እዩ ክብሉ ፕሬዝዳንት ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያ /መኢኣድ/ ኢንጅነር ሃይሉ ሻውል ተዛሪቦም።ዝተፈናቐሉ ህፃውንቲ ፈቖዶ መንገዲ እንትበኽዩ መንግስቲ ኣበይ ነይሩ ክብሉ’ውን ሓቲቶም።
ካብ ክልል ብሄር፡ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ተመዛቢሎም ብዛዕባ ዝተብሃሉ ሓረስቶት መንግስቲ ፌደራል ንፈለማ ግዜ መልሲ ክህብ ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ ብቕድሚ ትማሊ ንፓርላማ ዝሃብዎ መግለፂ ነይሩ።ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ኣብ መብርሂኦም ብዛዕባ ናይ ሰባት ምፍንቓል ግልፂ ዝኾነ ነገር ኣይተዛረቡን።ኣብ ክንዲኡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ እናልዐሉ ዝርከቡ ውድባት ሓላፍነት ዝጎደሎ ኣካይዳ ይኸዱ ኣለው ክብሉ ነይሮም ዝዘርዘሩ።
ነቲ ሪኢቶ መልሲ ዝሃቡ ፕሬዝዳንት መኢኣድ ኢንጅነር ሃይሉ ሻውል ኢህወዴግ ምስ ህዝቢ ከባእሰና እናፈተነ እዩ ኢሎም።ብምቕፃል ከምዚ ይብሉ ‘’ምስቲ ካሊእ ህዝቢ ንምብኣስ ዝዓለመ እዩ።ንኣምሓራይ ደጊፎም ብዝብል።ቅድሚ ሕዚ’ውን እንተኾነ’ኮ ኣብ ልዕሊ ጉራጌ ዝበፅሐ ጉዳይ ንሕና ኢና ዘልዐልናዮ።’’
መፅለሊ ንዝስኣኑ ተመዛበልቲ ግዚያዊ ሓገዝ ምግባርና ኣበይ እዩ እቲ ጌጋ? መንግስቲ’ኸ ሽዑ ኣበይ ነይሩ ክብሉ’ውን ሓቲቶም ኢንጂነር ሃይሉ።
እቶም ተመዛበልቲ ሕጋዊ ሰፈርቲ ንምዃኖም መርትዖ ሒዝና ኣለና ዝበሉ እቶም ፕሬዝዳንት መኢኣድ ምስ ናይቲ ከባቢ ነበርቲ’ውን ሰነያ ነይሩዎም ኢሎም።
መንግስቲ ይገልፆ ከምዘሎ ናይቶም ተፈናቐልቲ ኣሰፋፍራ ሕጋዊነት ዝጎደሎ እንተኾይኑ’ውን እቶም ሰበስልጣን ክሳብ ሕዚ እንታይ ይገብሩ ነይሮም ክብሉ ኢንጅነር ሃይሉ ሻውል ወሲኾም ሓቲቶም።