ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያን ምስ ሰበስልጣን ሕብረት ኣውሮጳ ተራኺቦም ተዘራሪቦም


ኣብ ብራስለስ ዝተራኸቡ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ሰበስልጣን ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ ብርክት ዝበሉ ዛዕባታት ምዝታዮም ዝበጸሐና ዜና ሓቢሩ።

ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖምን ላዕለወይቲ ወኪል ጉዳያት ወጻእን ፖሊሲ ጸጥታን ምኽትል ፕሬዝዳንት ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳን ዝኾና ፌደሪካ ሞርገሪኒን ኣብ ብራስለስ ተራኺቦም ዘትዮም ኣለው።

እዚ ናይ ሎሚ ርክብ ላዕለወይቲ ወኪል ሕብረት ኣውሮጳ ፌደሪካ ሞሄሪኒ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየደኦ ዑደት ሓባራዊ ርክባት ንምሕያል ብመሰረት ዝተበጸሐ ውሳነ እዩ ይብል እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሕብረት ኣውሮጳ።

ክልቲኦም ሰበስልጣን ስትራተጂያዊ ጽምዶ ሕብረት ኣውሮጳን ኢትዮጵያን ንቕድሚት ንምስጓም ተሰማሚዖም ኣለው። ሚኒስትር ወጻኢ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ትማልን ሎሚን ምስ ኮሞሽነራት ሕብረት ኣውሮጳን ምስ ኣባላት ፓርላማ ሕብረት ኣውሮጳን እውን ተራኺቦም ኣብ ጉዳያት ኣብ ልምዓት፤ጉዳያት ስደተኛታት፣ጸጥታን ማሕበረ ፖለቲካዊ ኩነታትን ዘትዮም።

ኢትዮጵያ ማሕበራውን ቁጠባውን ዕብየት ንምስፋሕ ኣብ እትገብሮም ጻዕርታት ሕብረት ኣውሮጳን ኢትዮጵያን ምሕዝነቶም ንምቕጻል ሞርገኒን ዶ/ር ቴድሮስን ኣረጋጊጾም ኣለው።ሕብረት ኣውሮጳ ኣብዚ ዓመት መድረኽ ንግዲ ሕብረት ኣውሮጳን ኢትዮጵያን ብምድላው ንፕሮግራማት ልምዓት ኢትዮጵያ ምሕጋዙ ክቕጽል እዩ ይብል እቲ መግለጺ።

ኤል ኒኞ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሕደሮ ተጽዕኖ ዘጋጠመ ደርቂ ንምሕጋዝ እቲ ኮሚሽን ክሳብ ሎሚ ዝሃቦ ሓገዝ ልዕሊ 100 ሚሊዮን ፓውንድ በጺሑ’ሎ።ንሰብኣዊ ሓገዝ ከምኡ እውን ብድርቂ ዝተሃስዩ ሰባት ንዳግመ ሕውየትን ማሕበረ-ቁጠባዊ ዘይምርግጋእን ክውዕል እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ዶ/ር ቴድሮስን ወኪል ሕብረት ኣውሮጳ ሞርገኒን ኣብቲ ርክቦም ሓባራዊ ኣጀንዳ ኣብ ማይግረሽን ሞብሊቲን ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ 11 ሕዳር 2015 ብዛዕባ ዝተፈረመ ስምምዕ እውን ተዘራሪቦም ኣለው።ኣብቲ እዋን ሕብረት ኣውሮጳን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ተመለስቲ ስደተኛታት ሓዊሱ ዘይህጋዊ ስደት ንምፍታሕ ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ ይዝከር።

ፌደሪካ ሞርገሪኒ ኢትዮጵያ ንኣስታት 750 ሽሕ ስድተኛታት ንምትእንጋድ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ እውን ንኢደን ኣለዋ።ትራስት ፈንድ ንኣፍሪካ ብዝብል ዝጽዋዕ ናይ ሕብረት ኣውሮፓ ህጹጽ ሓገዝ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ፕሮጀክትታት ምሕጋዝ ምጅማሩ ጽቡቕ ምዕባለ እዩ’ውን ኢሎምዎ ኣለው።

ብመሰረት እቲ መግለጺ ብዛዕባ ኣገዳስነት ስቪል ማሕበረሰብን ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ናይ ምእካብን፣ፖለቲካዊ ኣሳታፍነት ከምኡ እውን ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ምስ ዝተርኣየ ዘይምርግጋእ ብዝተኣሳሰረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝወሰዶም ስጉምትታት እውን ተዘራሪቦምሉ ኣለው።

ኣብ ሱዳን፣ኣብ ኤርትራ፣ኣብ ሶማል ብሰፊሑ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ዘሎ ኩነታት እውን መዘራረቢ ኣጀንዳ ነይሩ ።ኢትዮጵያ ኣብ መዳይ ሰላምን ጸጥታን ኣብቲ ዞባ ኣገዳሲ ተራ ትጻወት ኣላ ዝበለ እቲ መግለጺ ሕብረት ኣውሮጳ ንዞም ጻዕርታት ምሕጋዙ ክቕጽል እዩ ክብል እቲ መግለጺ ይድምድም።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያን ምስ ሰበስልጣን ሕብረት ኣውሮጳ ተራኺቦም ተዘራሪቦም
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:17 0:00

XS
SM
MD
LG