ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነፋሪት ንዝጨወየ ንኸረክበኒ ንመንግስቲ ስዊስ ክሓትት እየ ኢሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ


ዝተጨወየት ነፋሪት ኢትዮዽያ
ዝተጨወየት ነፋሪት ኢትዮዽያ
ትማሊ ሰኒ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ከተማ ሮማ ዝተበገሰት ቦይንግ 767 ዝዓይነታ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጨውዩ ኣብ ጄኔቭ ንዘዕረፈ ሓጋዚ ኣብራሪ ሃይለመድህን ኣበራ ተገኝ ተመሓላሊፉ ንኽውሃቦ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመንግስቲ ስዊዘርላንድ ክሓትት እየ ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃለ ምልልስ መንግስቲ ስዊስ ምጭዋይ ነፈርቲ ገበን ዝገብር ስምምዕ ዝፈሪመ እንተኾይኑ በቲ ዝኣተዎ ውዕል ንኽግዛእን ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ንኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ንኽህብን ንመንግስቲ ስዊስ ክንሓቶ ኢና ኢሎም።

ኣብ ልዕሊኡ ክቐርቡ ዝኽእሉ ክስታት ዝተሓተቱ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ እዚ ጉዳይ ቤት ፍርዲ እዩ ምስበሉ መንግስቲ ስዊስ ሓዊሱ ማሕበረሰብ ዓለም ምጥላፍ ነፈርቲ ዝኽልክል ዓለምለኸ ሕጊ ዝፈረሙ ስለዝኾኑ ናብ ሃገሩ ክምለስ ኣለዎ ኢሎም ብምውሳኽ።

ዛግዲ ምስ መንግስቲ ስዊስ ርክብ ፈጢሮም እንተኾይኖም ዝተሓተቱ ኣምባሳደር ዲና ናብኡ ገፅና ኢና ምስበሉ ንምንታይ እዩ መጭወይቲ ተፈፂሙ ንዝብል ሕቶ ኣይፈለጥኩን ምስበሉ ብምስዓብ ‘’እቲ ሰብ ንምንታይ ከምኡ ከምዝገበረ ምርመራ ይግበረሉ እዩ ዘሎ።ሕዚ ከይኮነስ ፀኒሕና ኢና ክንሪኦ’’ኢሎም።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምልክት እዩ’ሞ እቲ መጭወይቲ ንኢትዮጵያ እንታይ ማለት እዩ ተባሂሎም ዝተሓተቱ ኣምባሳደር ዲና ንውፅኢት እቲ ምርመራ ንፀበ ኢሎም።
ተሳፈርቲ ኣይተጎድኡን፤እቲ ጨዋዪ ሓዊሱ እቶምም ፓይለታት ደሓን እዮም፤እታ ነፋሪት ክትመልስ እያ፤እቲ ጠላፊ እውን ክምለስ ኣለዎ፤ካብዚ ዝዘለለ ዝርዝር ሓበሬታ የብለይን ኢሎም።
XS
SM
MD
LG