መንግስቲ ኢትዮጲያ ምስ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር በመሰረት ዝሃቦም ናጻ ዕድል ትምህርቲ ልዕሊ 600 ኤርትራውያን ስደተኛታት ተምሃሮ ሎሚ ዓመት ኣብ ዩኒቨርሲታት ኢትዮጲያ ይማሃሩ ምህላዎም ይግለጽ::
ግርማይ ገብሩ ዝሓተቶም ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብሞያ ጋዜጥኝነት ዝስልጥኑ ዘለዉ ተምሃሮ ኣማኑኤልን ያሬድን ብመሰረት መምርሒ ትምህርቲ ኢትዮጲያ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ መለክዒ ፈተና ወሲድና ዝሓለፍና ኢና ንማሃር ዘለና ይብሉ::
ክልቲኦም ሞያ ጋዜጠኝነት ካብ ቁልዕነቶም ኣትሒዞም ዝምነይዎ ዝነበሩ ሞያ ምዃኑ ይገልፁ::
እቲ ረኺቦምዎ ዘለዉ ዕደል ትምህርቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ህዝብታት ጽቡቕ ርክብ ንኽህሉ ዝሕግዝ እዩ ይብል ተምሃራይ ኣማኑኤል::
በቲ ሞያ ሰልጢኖም ምስወፁ ኣብ ኢትዮጲያ ኮነ ጎረባብቲ ሃገራት ብሞያኦም ክሰርሑ ከምዝሓስቡ ይዛረቡ::
ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ምልክት ድምጺ ኺዱ፡