ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘መጥቃዕቲ ፈጠራ ራዕዲ፣ንኣርባዕተ ሰባት ቀቲሉ’ - ኢትዮዽያ


ETHIOPIA
ETHIOPIA
ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ሚኒባስ መጥቃዕቲ ፈጠራ ራዕዲ ከምዝተፈፀመን ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተቀትሉን ምንስቴር ኮምንኬሽን ኢትዮዽያ ሎሚ ምሸት ኣፍሊጡ።

ምንስትር‘ቲ ቤት ዕዮ ኣቶ ረድዋን ኣሕመድ ሎሚ ምሸት ንሚድያታት‘ታ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ሓይልታት ጥፍኣት ናይ ዝበልዎም ሓይልታት ዕላማ ብሓደ መዳዮ ክፈሽሎም ከሎ ብካልእ መንገዲ ምቅፃሎም ዘይተርፍ‘ዩ፣ካብ ወፃኢ እናሰልጠኑ ዘዋፍርዎም ክታሓዙ ከለው፣በቶም ካብ ውሽጢ ዘለው ክጥቀሙ’ዮም ዝሰርሑ ኢሎም።

ህዝቢ በቲ ዝስማዕ ዘሎ መጠንቀቂ መግለፂ ከይተደሰናበደ ዕለታዊ ናብርኡ ክገብር ዘዘኻኸሩ ኣቶ ሬድዋን፣ኣብ ክንድኡ ምስ ሓይልታት ፀጥታ ተሓባባሩ ንከባቢኡ ክሕሉ ፀዊዖም።

ንሶም ኣብ ዘረበኦም ”ሰባት ዕለታዊ ናብረኦም ክርስዑ፣ክደናበሩን ክሽበሩን ኣይኮነን ዕላምኡ።ኣብ ክንድኡ ከባቢኦም ክሕልው፣ካብ ንቡር ነገር ሕልፍ ዝበለ ኩነታት ከጓንፎም ከሎ ሸለል ኢሎም ንከይሓልፍዎ ንምዝኽኻር‘ዩ። ኩላትና በዚ መንፈስ‘ዚ ብንቅሓት እንተተንቀሳቂስና፣ሓይልታት ጥፍኣት ዕድል ኣይረኽቡን ንምባል እዩ ተደልዩ” ኢሎም።

ሽበራዊ መጥቃዕቲ ይዳለው ዘሎ ብመንግስቲ ኤርትራን ብኣል-ሸባብን‘ዩ ክብል ኣገልግሎት ሃገራዊ ስለያን ፈደራላዊ ፖሊስን ትማሊ ምግላፆም ዝዝከር‘ዩ ይብል እስክንድር ፍሬው ዝላኣኾ ሪፖርት።
XS
SM
MD
LG