ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሲዊዲናዊያን ጋዜጠኛታት ኣብ ውሽጢ ማዕልታት ክፍትሑ ተስፋ ኣለኒ ይብሉ ሓደ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ኣውሮፓ


ሚሸል ከምዝበልዎ እቶም ጋዜጠኛታት ንምፍታሕ ብዛዕባ ዝከኣለሉ ምስ ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ ኣወንታዊ ምይይጥ ምክያዶም ሓቢሮም

ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ዝርከቡ ክልተ ስዊዲናዊያን ጋዜጠኛታት ንምፍታሕ ዝካየድ ዘሎ ድርድር ኣብ ናይ መወዳእታ ጠርዙ ከምዝበፅሐ ሓደ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ኣውሮፓ ትማሊ ረቡዕ ኣፍሊጦም።

ኣባል ፓርላማ ሕብረት ኣውሮፓን ናይ ቀደም ምንስቴር ወፃኢ ቤልጀምን ዝኾነ ሉዊ ሚሸል ሲዊዲናዊያን ጋዜጠኛታት ማርቲን ሽብየን ዮሃን ፒርሰንን ኣብ ውሽጢ ማዕልታት ክፍትሑ ከምዝኽእልይ ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም።ንሶም ህፁፅ መዕልቦ ክወሃቦ ትፅቢት ይገብሩ ተስፋ’ውን ኣለዎም።

እቶም ክልተ ሰባት ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ናብ ኢትዮጵያ ብምእታዎምን ኣሸባሪ ተባሂሉ ንዝተመደበ ሓደ ዓማፂ ጉጅለ ብምሕጋዝን ኽስታት ሓደ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ፍርዲ ምሃቡ ይዝከር።

ሚሸል ከምዝበልዎ እቶም ጋዜጠኛታት ንምፍታሕ ብዛዕባ ዝከኣለሉ ምስ ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ ኣወንታዊ ምይይጥ ምክያዶም ሓቢሮም።እቶም ነባር ዲፕሎማሰኛ ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ምስ ቀዳማይ ምንስቴር ሲዊዲን ፍረድሪክ ረይንፈልት ብዛዕባ ሱማሊያ ኣብዝተኻየደ ናይ ለንደን ዓለምለኸ ኮንፈረንስ ብዘካየድዎ ጎናዊ ዝርርብ ከምዝተተባብዑ ገሊፆም።

ሚሸል እቶም ጋዜጠኛታት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሮምሉ ኣብዝርከቡ ቤት ማእሰርቲ ብምብፃሕ ትማሊ ረቡዕ ንኽሪኡዎም ከምዝተፈቐደሎምን ከምዝረአይዎምን ሓቢሮም።እቶም እሱራት ብዘለውሉ ኩነታትን ብዝተስምዕም ጥዕሳን ከምዝተደነቑ’ውን ወሲኾም ገሊፆም ኣለው።ከምዚ ብምባል’’ቅድሚ ኩሉ እዞም ክልተ ጋዜጠኛታት ዓብይ ጌጋ ምፍፃሞም፡ከምኡ ምግባሮም እውን ከምዝተጠዓሱ፡ይቕሬታ ንምሕታት ቅሩባት ምዃኖም፡ንሓዋሩ እዚ ጌጋ ከምዘይደግሙን ካብዚ ከምዝተምሃሩን ንዓይ ገሊፆምለይ እዮም።’’

XS
SM
MD
LG