ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዲፕሎማታት ኣንቢራቶ ንዝነበረ እገዳ ምንቅስቃስ ኣልዒላ


ሚኒስትር መከላኸሊ ኢትዮጵያ ኣቶ ሲራጅ ፈጌሳ
ሚኒስትር መከላኸሊ ኢትዮጵያ ኣቶ ሲራጅ ፈጌሳ

ኢትዮጵያ ስለድሕንነቶም ኢላ ዲፕሎማታት ካብ ኣዲሳበባ ልዕሊ 40 ኪ/ሜትሮ ንከይርሕቁ ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ከምዘልዐለት ኣፍሊጣ።

ሓላፊ ‘ኮማንድ ፖስት’ታ ሃገር ኣቶ ሲራጅ ፈጌሳ፣ እቲ እገዳ ዝተላዓለ ኩነታት ሰላምን ምርግጋእን’ታ ሃገር ምምሕያሽ ስለዝተራኣየሉ’ዩ ኢሎም።

ሚኒስትር መከላኸሊን ሓላፊ ንኣዋጅ ጊዚያዊ ህጹጽ ጊዜ ዝመርሕን ኮማንድ ፖስት እዮም ኣቶ ሲራጅ ፈጌሳ። ንሶም ሎሚ ንጋዜጠኛታ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ’ዮም እቲ ኣብ ልዕሊ ዲፕሎማት ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ከምዝተላዓለ ዝገለጹ።

ናብ’ቲ ሎሚ ዝርከባሉ ኩነታት ክበጽሕ’ዩ ዝብል ግምት ስለዘይነበረ፣ እዚ ኮማንድ ፖስት’ውን ኣጸቢቁ ስለዝገምገሞ፣ እቲ እገዳ ሎሚ ንክላዓል’ዩ ወሲኑ’ ኢሎም ንሶም።

ብዘይካ’ዚ ብመሰረት’ቲ ሎሚ ዝተዋሃበ መግለጺ ኮማንድ ፖስት፣ ዩኒፎርም ሰራዊት ሒዙ ዝተረኸበ ወይ ኣብ ገዝኡ ዘቀመጠ ሰብ ዝምልከት ሕጊ’ውን ተማሕይሹ’ሎ።

እቲ ኮማንድ ፖስት ሎሚ ዘውጸኦ መማሓየሺ ኣርባዕተ ምዕራፋትን ትሻዓተ ዓንቀጻትን ከምዝሓዘ ተገሊጹ’ሎ ይብል እስክንድር ፍሬው ዝላኣኾ ሪፖርት።

XS
SM
MD
LG