ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስለያ ተፈፂሙኒ ናይ ዝበለን ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ጠበቓታት ዋሽግንተን ዲሲ ኣብዝርከብ ቤት ፍርዲ ተኻቲዖም


መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኮምፒተረይ ናይ ስለያ ማልዌር ልኢኹ ክስልለኒ ፀኒሑ ክብሉ ኪዳኔ ብዝብል ሽም ዝተፀውዑ ኣሜሪካዊ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ቤት ፍርዲ ወረዳ ዘቕረብዎ ኽሲ ትምሊ ሰሉስ ናብ ዳኛ ቐሪቡሎ።

ሃኪንግ ቲም ዝተብሃለን ኣብ ጥሊያን ዝርከብን ናይ ስለያ ማልዌር ዘፍሪ ኩባንያ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ምቁራፁ ኣፍሊጡሎ።

ንድሕነተይን ድሕነት ቤተሰበይን ስለዝሰግእ ሽመይ ኪዳነ ተባሂሉ ይፀዋዕ ዝበሉ ኣሜሪካዊ ነባሪ ሜሪላንድ ጉዳዮም ብውክልና ዝሓዞ ኤሌክትሮኒክ ፍሮንቲየ ፋውንዴሽን ብዝብል ዝፍለጥ ንስቪላዊ ነፃነታት ብዝሕለቕ ትካል እዩ።

ኣብ ኢንተርኔት ናይ ምዝራብን ሓሳብካ ብነፃነት ምግላፅን ክኸበር ከምዝቃለስ ዝዛረብ እዚ ትካል እዚ ኪዳነ ናይ ውልቂ ናብርኦም ተደፊሩ ክብል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 11 ሓምለ 2006 / ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንዝርከብ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ናይ ወረዳ ቤት ፍርዲ ኽሲ ኣቕሪቡ።

ብትውልዲ ኢትዮጵያ ዝኾኑን ንዝሓለፉ 22 ዓመታት ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ይነብሩ ዘለውን ኣቶ ኪዳነ ናብ ናይ ውልቂ ኮምፒተሮም ወይም ላፕቶፖም ፊንፊሸር ዝተብሃለ ናይ ስለያ ፕሮግራም ወይም ማልዌር ከምዝተልኣኸን ከምዝተፅዓነን ብጠበቕኦም ብናታን ካርዶዞ ኣቢሎም ነቲ ቤት ፍርዲ ኣቕርቦም ኣለው።

ኣቶ ኪዳነ ብስካይፕ ኣቢሎም ዘካይዱዎም ዝርርባት በምንግስቲ ኢትዮጵያ እናተጠለፉ ይስምዑ ከምዝነበሩ፣ናይ ኢሜይል መልእኽትታቶ ይንበቡን ኣብ ኢንተርኔት ዝገብሩዎ ርክባት ክትትል ይግበረሎም ከምዝፀንሐን እቶም ጠበቓ ኣመልኪቶም።

ሚስተር ካርዶዞ እቲ ስለያ ክፍፀም ከሎ ኢድ ብኢድ ኢና ሒዝናዮ ይብሉ።ኣብ ልዕሊ ኣቶ ኪዳነ ምብፅሑ ዘሕን’ዃ እንተኾነ እቲ መንግስቲ ንናይ ኪዳኔ ናይ ስካይፕ ንግግር ክጠልፍን ክሰምዕን ከሎ ስለዝሓዝናዮ ግን ዕድለኛታት ኢና ኢሎም።

ጠበቓ መንግስቲ ኢትዮጵያ ራበርት ቻሮው ግን ናይ ኮምፒተር ኣድራሻ ክስረቕ ከምዝኽእል ካብ ምግላፅ ዝዘለለ እቲ ተግባር ኣይተፈፀመን ክብሉ ኣይተኸራኸሩን።ናይ መከራኸሪ ነጥቦም ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ነቲ ጉዳይ ናይ ምርኣይ ስልጣን ስለዘይብሉን ተኸሳሲ ድማ ልኡላዊ መንግስቲ ስለዝኾነን እቲ ኽሲ ውዱቕ ክኸውን ሓቲቶም።

ቻረው ብዛዕባ እቲ ክትዕ መብርሂ ክህቡ ተሓቲቶም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ መብርሂ ምሕታት ከምዝክኣል ገሊፆም።ይኹን እምበር ካብ ኤምባሲ መብርሂ ንምርካብ ዝተግብረ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይተዓወተን።

ነቲ ጉዳይ ክንደፍኣሉ ኢና ኢሎም ኣለው ካርዶዞ።ዳኛ እውን ውሳንኦም ኣብ ቀረባ ከፍልጥ እየ ኢሎም ኣለው።

ብኻሊእ ወገን ናይ ስለያ ማልዌራ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ይሸይጥ ተባሂሉ ዝጥርጠር ተቐማጥነቱ ኣብ ጣሊያን ዝኾነ The Hacking Team ዝተብሃለ ትካል ምስ ኢትዮጵያ ዝርክብ ምቁራፁ ኣፍሊጡ።ኢትዮጵያ ናትና ቴኬኖሎጂ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ንዝርከቡ ጋዜጠኛታት ንምስላል ትጠቀምሉ ኣላ ዝብል ሪፖርት ዘዘኻኸሩ ኣብ ሃኪንግ ቲም ዳይረክተር ክፍሊ ንግዲ ዝኾኑ ኤሪካ ሬብ ሎማዕንቲ ብኢሜይል ኣብዝለኣኹልና መልሲ ምስ እዚ ዓሚል ዘለና ርክብ ተቓሪፁ’ሎ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG