ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ዋጋ ምቁጽጻር ካብ ዝገብር ንድሓር፡ ከም ሽኮርን ናይ ብልዒ ዘይትን ካልኦትን ዝበሉ ነገራት ካብ ዕዳጋ ጠፊኦም


እቲ ናይ ዋጋ ተመን ኣብ ሰሜን ኣፍሪካን ማእኸላይ ምብራቕን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ዘስዐበን ኣብ ቱንዝያ ዝተልዓለን ናይ ምግቢ ዓመፅ ክጅመር እንተሎ`ዩ ተግባራዊ ኾይኑ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋ ሕፅረት ምግቢ ዘኸተለ ናይ ዋጋ ተመን ድሕሪ ምግባሩ ገለ መሰረታዊ ዝኾኑ ምግብታት ባዕሉ ንሸመቲ ብቕጥታ ምሻጥ ጀሚሩ።ሽኮርን ናይ ብልዒ ዘይትን ካብ መሸጢ መደብራት መንግስቲ ንምግዛእ ሰባት ነዊሕ ሪጋ ሒዞም እናተፀበዩ ምርኣይ ዝውቱር ኮይኑ’ሎ።

ተስፋነሽ ዘውዴ ኣብ ሙቐት ማዕልቲ ሓደ ሊትሮ ናይ ብልዒ ዘይትን ክልተ ኪሎ ሽኮርን ንቤተሰባ ንምዕዳግ ንሓደ ሰዓት ሪጋ ሒዛ ትርከብ።ንሳ ክሳብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ከባቢ ብቐሊሉ ይርከቡ ዝነበሩ ናይ ሸቐጥ ኣቑሑት ብመንግስቲ ካብዝውነኑ መደብራት ንምግዛእ ኣብ እዋን ስዓት ስራሕ ካብ ስርሓ ወፂኣ ሪጋ ንምሓዝ ከምዝተገደደት ትገልፅ።

ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ 18 መሰረታዊ ኣቑሑት ናይ ዋጋ ተመን ተግባራዊ ንክኸውን ካብእትእዝዝ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ሽኮር ናይ ብልዒ ዘይትን ካልኦት ኣቑሑትን ካብ ዕዳጋ ጠፊኦም ኣለው።እቲ ናይ ዋጋ ተመን ኣብ ሰሜን ኣፍሪካን ማእኸላይ ምብራቕን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ዘስዐበ ኣብ ቱንዝያ ዝተልዓለ ናይ ምግቢ ዓመፅ ክጅመር እንተሎ ነይሩ ተግባራዊ ዝኾነ።

ከባቢያዊያን መራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ኣብ ዕዳጋ ኢዱ ምእታው ንሸመቲ ዝሕግዝ ስጉምቲ እዩ ክብላ ንኢደንኦ ኣለዋ።

እቶም ናይ ዋጋ ተመን ዝተገበረሎም ኣቑሑት ኣብ ዕዳጋ ምስተስኣኑ ኮነ ኢሎም ሕፅረት ይፈጥሩ ኣለው ክብል መንግስቲ ንነጋዶ ይኸሶም።ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ እቲ ዕዳጋ ከምዝፈሸለ ኣብዝሓለፈ ወርሒ ኣፍሊጦም ነይሮም።ንሶም ማሕበረሰብ ንግዲ ነቲ ዝቐረበ ዝትሓተ ዋጋ ክሳብ ዝቕበሉ መንግስቲ ንቶም ነጋዶ ሓሊፉ ናይ ብልዒ ዘይትን ሽኮርን ካብ ደገ ብምእታው ምርግጋእ ንኽረጋገፅ ንተጠቀምቲ ብቐጥታ ብምሻጥ ነቲ ዕዳጋ ከምዘዕልቕልቖ ተዛሪቦም ነይሮም።

ኣብ ምንስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ሓላፊ ክፍሊ ቁፅፅር ኣቶ ኤፍሬም ወልደስላሰ ቁፅፅር ዋጋን መንግስቲ ባዕሉ ኣቑሑት ክሸይጥ ምግባርን እቲ ዕዳጋ ክሳብ ዝረጋጋእ ዝተወሰዱ ግዚያዊ ስጉምትታት እዮም ይብሉ።

ኪኢላታት ስነቁጠባ ዕዳጋን ነጋዶን ግን መንግስቲ ኣብ ዕዳጋ ኢዱ ምእታው ኣብ ሸመትን ሸየጥትን ዝህሊ ርክብ ዝጎድእ እዩ ይብሉ።

ፕሬዝዳንት ቤት ምኽሪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣቶ እየሱስ ወርቅ ዛፉ እቲ ናይ ዋጋ ተመን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ነዊሕ ግዜ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ ዓብይ ቁፅፅር ከምዝገብር ምልክት ዘርኢ ካሊእ ስጉምቲ እዩ ይብሉ።

ኣቶ እየሱስ ወርቅ ብምቕፃል ‘’መንግስቲ ካብ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ልዕሊ 10 ዓመታት እውን ክኸውን እዩ ኣብ ልዕሊ እቲ ኢኮኖሚ ብቐፃልነት ልዕልነቱ እናረጋገፀ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።መንግስቲ በይኑ ሚዛናዊን ዘላቕን ምዕባለ ቁጠባን ልምዓትን ከምፅእ እዩ ዝብል ኣረዳድኣ ናይ ነዊሕ ግዜ ፍታሕ ዘምፅእ ኣይኮነን።ንነዊሕ ዓመታት ተፈቲኑ ዝፈሸለ ኣካይዳ እዩ።’’ይብሉ።

ክኢላታት ስነ ቁጠባ እቲ ናይ ዋጋ ተመን ነቲ ዝንህር ዘሎ ዋጋ ክትሕት ይገሕግዞ እንተኾይኑ ኣብ ሕቶ የእትውዎ።ቤት ፅሕፈት ስታስቲክስ መንግስቲ መጠን ዝቕባበ ወርሒ ለካቲ 14 ሚእታዊ ከምዝነበረ ይሕብር።ወርሒ ለካቲት ተመን ዋጋ ምሉእ ብምሉእ ተግባራዊ ዝኾነላ ፈላመይቲ ወርሒ እያ።

እቲ ቁፅፅር እንድሕር ድኣ ተላዒሉ እቲ ዋጋ ናብቲ ክኸውን ይግብኦ ዝነበረ ከም ዝምለስ ኪላታት ይዛረቡ።

ኣብ ዓለም ይርአ ዘሎ ህፁፅ ናህሪ ዋጋ ኣብ ግምት ብምእታው ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ኮሚንስት ከምዝነበረ መንግስቲ ምግቢ ናብዘከፋፍለሉ እዋን ትምለስዶ ትኸውን ኢሎም ሰባት ይግረሙ።

XS
SM
MD
LG