‘ኣብ ትሕቲ ትካል ቴክኖሎጂ መቐለ ዝተጣየሸ ‘ፕሮጀክት ሳይንስ ኤሮስፔስን ኢንጂኔሪንግ ዳይናሚክስን መለስ’ ኢትዮጵያ ብዓይነታ ፈላመይቲ ንትኸውንን ናብ ህዋ ትውንጨፍን ሮኬት ‘ኣልፋ መለስ’ ንምስራሕ ኣብ ዛዛሚ ምዕራፍ በፂሓ ከምዘላ’ ትገልፅ።
ኣካያዲ ስራሕ ፕሮጀክት ‘ሮኬት ኬሚካል ኣልፋ መለስ’ ዝኾነ ኣቶ ሙሉዓለም ሃይለማርያም ንቪኦኤ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቅ “ኣብ’ቲ ፕሮጀክት ኣብ ኩለን ላዕለዎት ኣብያተ-ትምህርትን ዩኒቨርስታትን ኢትዮጵያ ዝሰርሑ ልዕሊ 60 ተመራመርቲ ቀትሪን ለይቲን ንምዕዋት’ቲ መደብ ይነጥፉ ከምዘለው” ገሊፁ’ዩ።
እቲ መደብ ዝተታሓዘሉ ህንፀት’ታ ሮኬት ኣብ እዋኑ እንተተዛዚሙ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ሓንቲ ሮኬት ኬሚካል ናብ ስትራቶስፌር በፂሓ ዕውት ምምላስ ክትገብር’ያ ይብል ንሱ።
“ብሓባር ከምስድራ፡ከምኣሕዋት ሓቢርና ስለንሰርሕ፡ዓብዪ ናይ ስራሕ መንፈስ ኣለና።ኣካል’ቲ ስራሕ ምኻነይ ዓብዪ ክብሪ ይስመዓኒ። ኩሉ ዝካኣል ንምግባር ድማ ሕዚ’ውን ይፅዕር’ለኹ።ኣምላኽ ተሓዊስዎ ፅባሕ ተዓዊቱ ነቲ ዝድለ ዕላማ ክውዕል’ዩ ኢልና ንኣምን።ስለ’ዚ ኣብ’ዚ ስራሕ’ዚ ምስታፈይ ዓብዪ ክብሪ ይስማዓኒ” ይብል መንእሰይ ተመራማሪ ሙሉዓለም ሃይለማያም።