ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያን ካልኦት ክፋላትን ዋትስፕን ካልኦት ኣገልግሎት ኢንተርነት ከምዘይሰርሕ ተጠቐምቲ ይገልጹ


ኣብ ክልል ኦሮሚያን ካልኦት ክፋላት ኢትዮጵያን ዋትስኣፕ ሓዊሱ ናይ ኢንተርኔት ኣገልግሎታት መልእኽቲ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ከምዘይሰርሕ ተጠቀምቲ ገሊጾም።

ስማርትፎን ዘለዎም ተገልገልቲ ብናይ ፌስቡክ፡ መሰንጀርን ብቲዊተርን ሓዊሱ ክራኸብ ከምዘይክእሉ መምህር ዩኒቨርስቲ ኣምቦ ዝኾነ ስዩም ተሾመ ካብ ወሊሶ ብስልኪ ምግላጹ ብሉምበርግ ጸብጺቡ’ሎ።

ናይ ኢትዮጵያ ቴሌኮም ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ወሲኹ ቫይበርን ዋትስኣፕን ንዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ገንዘብ ዘኽፍል ኣድላዪ እንተኾይኑ ኸኣ ነዞም ኣገልግሎታት ዝዓጹ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ናብ ውሽጢ ሃገር ከምዘእተወ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ኣቶ ኣንዱኣለም ኣድማሴ ኣብዝሓለፈ ሰሙን ምግላጾም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG