ሎሚ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 20 ግንቦት፡ ንኢትዮጵያ ን17 ዓመታት ዝመርሐ ስርዓት ደርግ ካብ መዝነት ዝተኣልየሉ መዓልቲ ምኽንያት ብምግባር፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ንኢትዮጵያውያን ዘለዎ ሰናይ ምንዮት ገሊጹ።
ብሊንከን ኣብ መግለጺኡ፡ “እዛ ዕለት ምስቲ መበል 120 ዓመት ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ኣመሪካን ኢትዮጵያን’ውን ትዝከር ብምህላዋ፡ ንኽልተኣዊ ዝምድና ክልተኣን ሃገራት ዘትርር ኣጋጣሚ’ዩ፡” ክብል ገሊጹ። ብሊንከን ኣብ ምስፋን ሰላም፡ ቍጠባዊ ድንፋዐን ጽላት ጥዕናን ክልተኣን ሃገራት ሓቢረን ንምስራሕ ዘለወን ድሉውነት’ውን ኣካፊሉ ኣሎ።
ቤት ጽሕፈት ኮምኒከሽን ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብወገኑ ብምኽንያት እዛ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ “ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ተዳዒኑ ዝነበረ ጭቆናን ዓፈናን ደርብዩ ኣብ ፍትሒ፣ ርትዒን ማዕርነትን ዝተመስረተ ሓዲሽ ህዝባውን ዴሞክራሲያዊን ስርዓት ንምትካል ዘካየዶ ብረታዊ ቃልሲ 20 ግንቦት 1983 ዓ.ም ብዓወት ዛዚሙ እዩ፡” ኢሉ።
ቅጥዒ