ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ወሰና ወሰን ዓበይቲ ከተማታት ኣማእቲ ኣሽሓት መንበሪ ኣባይቲ ኮንዶሚኒየም ኣብ ምህናፅ ይርከቡ።መንግስቲ ዝተሓተ ኣታዊ ንዘለዎም ብዙሓት ስድራታት ኣባይቲ እናዓደለ እዩ።
ፕሮግራም ኣባይቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት 400 ሽሕ ኮንዶሚነማት ሃኒፁ።ኣብ ናይ ነዊሕ እዋን ትልሚ ሓደ ሚሊዮን ኣባይቲ ክሃንፅ ተሊሙ እዩ።ፍርቂ ሚሊዮን ኮንዶሚኒዮማት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክህነፁ ትፅቢት ይግበር።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዓብዪ ናይ ኣባይቲ ጠለብ ከምዘሎ ኣቶ ብስራት ክፍሌ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣርክቴክ ልምዓት ከተማ ይገልፁ።
እቲ ናይ ኣባይቲ ፕሮጀክት ኣብ 2004 ኣ/ፈ ከምዝጀመረን ሽዑ ናይ 300 ሽሕ ናይ ኣባይቲ ሕቶ ከምዝነበረን ይገልፁ።ምዝገባ ምስተጀመረ ግን 450 ሽሕ ሰባት ከምዝተመዝገቡን እዚ ዘርእዮ ሓቂ ድማ ካብቲ ትፅቢት ንላዕሊ ከምዝዝኾነን ይሕብሩ።
ኣቶም ኮንዶሚኒዮማት ዝተሓተን ማእኸላይ እቶት ንዘለዎምን ነበርቲ እዮም ዝህነፁ ዘለው።
ምንስቴር ልምዓትን ህንፀትን ኣባይቲ ኣቶ ኣስራት ኣስገዶም መንግስቲ ኩሎም ዘይስሩዕ መፅለሊታትን ዝተሓተ ደረጃ ዘለዎም ኽፋላት ከተማታትን ብብቑዕ ኣባይቲ ንምትካእ ድልየት ኣለዎ ይብሉ።
ዳርጋ 70 ሚእታዊ ከባቢታት ከተማ ደረጅኦም ዘይሓለው ስለዝኾኑ ናይተን ከተማታት መልክዕን ደረጃ መነባብሮን ክንልውጦ ኣለና ይብሉ ኣቶ ኣስራት።
እቶም ፕሮግራማት ኣባይቲ ንኣሽሓት ሰባት ናይ ስራሕ ዕድል ይፈጥረሎም ኣለው።ዝተሓተ ኣታዊ ዘለዎም ነበርቲ ድማ ካብ ባንኪ እናተለቅሑ ወነንቲ መንበሪ ገዛውቲ እናኾኑ እዮም።
ብዙሓት ኮንዶምኒዮማት ኣብ ወሰና ወሰን ከተማ ኣዲሰ ኣበባ ተሃኒፆም ኣለው።እዚ ማለት ድማ ዝተሓተ ኣታዊ ዘለዎም ስድራታት ካብ ማእኸል ከተማ ሪሒቖም ይነብሩ ኣለው ማለት እዩ።
ምሁር ማሕበራዊ ሳይንስ ዝኾኑ ኣቶ ከተማ ኣዲስ ኣሽሓት ስድራታት ተገሊሎም ክነብሩ ምግባር ዝፀንሐ ናይ ኢትዮጵያዊያን ማሕበራዊ ናይ ኣነባብራ ኣገባብ ይቕይሮ እዩ ይብሉ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሃፍታምን ድኻን ጎረቤት ኮይኖም ይነብሩ።ኣታዊኦም ኣብ ግምት ዘእተወ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ሓደ ከባቢ ክነብሩ ምግባር ኣሉታዊ ተፅዕኖ ክህልዎ ይኽእል እዩ ክብሉ ክኢልታት የጠንቅቑ።ናይ ከተማ ቀያሲ ኣቶ ብስራት ክፍሌ ግን እዚ ናይ መንግስቲ ትልሚ ኣይኮነን ይብሉ።
ናይ ኣዲስ ኣበባ ናይ ኣባይቲ ልምዓት ከም ኣብነት ብምውሳድ ኩለን ከተማታት እታ ሃገር ነዚ የፈፅማ ኣለዋ።መንግስቲ ልዕሊ ኣባይቲ ዘለው ሽግራት እውን ኣብ ግምት ከእቲ ኣለዎ ይብሉ ኣቶ ብስራት።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 2020 ኣ/ፈ ደርጅኦም ዘይሓለው ኣባይቲ ደረጅኦም ብዝሓለው ሓደሽቲ ኣባይቲ ንምትካእ ተሊሙ’ሎ።