ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ተዓጽዩ


ኢትዮጵያ፡ ሃገራዊ መልቀቂ ፈተና ከይስረቅ ብምስጋእ ኣገልግሎት ኢንተርነት ምዕጻዋ ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:26 0:00

ኢትዮጵያ፡ ሃገራዊ መልቀቂ ፈተና ከይስረቅ ብምስጋእ ኣገልግሎት ኢንተርነት ምዕጻዋ ተሓቢሩ

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ንዝኻየድ ዘሎ ሃገራዊ ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀቂ ፈተና ንከይስረቅ ብዝብል ስግኣት ኣገልግሎት ኢንተርነት እታ ሃገር ምሉእ ንምሉእ ምዕጻዋ ተገሊጹ። መልቐቂ ፈተና 10ይ ክፍሊ ካብ ግንቦት 31 ክሳብ ሰነ 2 ዝኻየድ ኽከውን ከሎ ናይ 12 ክፍሊ ፈተነ ድማ ካብ ሰነ 5 ክሳብ ሰነ 8,2017 ዓ.ም. ክኻየድ’ዩ።

ዝሓለፈ ዓመት ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀቂ ፈተና ተሰሪቑ ኣብ ማህበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ብምዝርግሑ መንግስቲ ነቲ ፈተና ንካልኣይ ጊዜ ምድላው ይዝኸር።

“ እዚ ፈተና እንተወጺኡ ንጉዳእ ንሕና ኢና ምክንያቱ ውጽኢት ፈተና ክደናጎይ’ዩ ወይ’ውን ናይ ፈተና መዓልቲ ከመሓላለፍ ስለዝኽእል ስለዚ ኣገልግሎት ኢንተርነት ምዕጻው ንሕና ድማ ፈተና ብጊዚኡ ክንፍተን ምኽኣልና ጽቡቕ ነገር እዩ” ዝበለት ተማሃሪት አዲስ አለም ዘውዱ’ያ።

መንግስቲ ኣገልግሎት ኢንተርነት መዓስ ከምዝኽፈት ኣይገለጸን እንተኾነ ከም`ቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ፈተና ልሒኹ መታን ከይወጽእ ብዝብል ኣብ እዋን’ቲ ፈተና ኢንተርነት ምሉእ ንምሉእ ከምዝተዓጽወ ኣፍሊጡ`ሎ።

ኣብ ከባቢ አዲስ አበባ ዩኒቨርሲቲ ወናኒ ኢንተርነት ካፈ ዝኾነ ምንይላል ሸዋ መብዛሕትኡ እዋን ትካሉ ብተማሃሮ ከምዝመልእ እንተኾነ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ዋላ ሓደ ሰብ ከምዘየለ ይገልጽ።

“ ነዚ ትካል ክኽፈት ከሎ ካብ ዝወጻእክዎ ወጻኢ ተወሳኺ ተደጋጋሚ ወጻኢ እየ ዝገብር ዘለኹ። ኣገልግሎት ኢንተርነት ብሃንደበት ከምዚ ኢሉ ክቋረጽ ኸሎ ነቲ ስራሕ ደው ዘብሎ ወይ’ውን ናብ ካልእ ዝቅይረሉ ወፍሪ ወይ ትካል ንግዲ ኣይኮነን። ብዘይ መጠንቀቕታ’ዩ ተቋሪጹ። ብተወሳኺ ነቲ ዘይተጠቐምናሉ ኣገልግሎት ክንኸፍል ድማ ንግደድ ኢና። እዚ ፍትሃዊ ኣይኮነን።”

ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንተርነት ክትዓጽው እዚ ናይ መጀመርያ ኣይኮነን። ኣብ እዋን ህዝባዊ ተቓውሞ 2015ን 2016ን ንሰሙናት ዝቐጸለ ምዕጻው ኣገልግሎት ኢንተርነትን ማህበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ፌስቡክን ትዊተርን ምንባሩ ይዝከር።

ኣብቲ ዝሓለፈ እዋን ዝነበረ ምዕጻው ኣገልግሎት ኢንተርነት ከም ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ዝአመሰላ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንምዕጻው ኢንተርነት “ ሓሳብኻ ናይ ምግላጽን ሓበሬታ ናይ ምልውዋጥ ናጽነት ምዕፋንን’ዩ” ክብሉ ምግላጾም ይፍለጥ።

ጋዜጠኛ ዳንኤል ብርሃነ ኣብ እዋን ምዕጻው እቲ ኣገልግሎት ኢንተርነት ካብ ገዛ ይሰርሕ ከምዝነበረን ንብዙሕ ናይ ንግዲ ትካላት ብአሉታ ከምዝጸልው ይገልጽ።

“ምዕጻው አገልግሎት ኢንተርነት ከም ንቡር ናይ መጠንቐቕታ መስርሕ ትወስዶ እንተኾንኻ ብተደጋጋሚ ከጋጥም’ዩ። ስለዚ እዚ ዝገድፎ ጽልዋ ድማ ከም አዲስ አበባ ኣብ ዝአመሰላ ከተማታት ኣብ ተካይዶ ንጥፈታት ኣገልግሎት ኢንተርነት መዓስ ይክፈትን ይዕጸውን ከምዘይትፍልጥ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን’ዩ። እዚ ማለት ድማ ኣውፈርቲ ዝሓሸ ኣገልግሎት ኢንተርነት ናብ ዝረኽብለን ከተማታት ከም ናይሮቢን ካይሮን ዝአመሰላ ከተማታት ክቕይሩ ክግደዱ’ዮም።”

ኣብ ኣምቦ ዩኒቨርሲቲ ዝምህር ስዩም ተሾመ ድማ እቲ ምዕጻው ኢንተርነት ሓዲሽ ከምዘይኮነ ይገልጽ።

“ሎሚ እዚ ናይ ማትሪክ ፈተና ስለዝመጸ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዓና`ኳ በብግዚኡ`ዩ ዝዕጸወና። በዓል-ስልጣን ክመጽእ ኸሎ ይዕጾ፡ ረብሻ ብዝተላዕለ ቁጽሪ ይዕጾ፡ ስለዚ ኸምኡ ስለዝኾነ ንዓና ልሙድ ነገር`ዩ ኾይኑ ዘሎ።”

ካብ ኒውዮርክ ዘለኣለም ክብረት ድማ ጸሓፊ ኢንተርነት ወይ ብሎገር ክኸውን ከሎ፡ መንግስቲ ንኢንተርነት ዝርእዮ ኸም ናይ ጥፍኣት ሓይሊ`ምበር ኸም ሓደ ናይ ልምዓት ኣካል ኣይኮነን ክብል ይነቅፍ፡ ከምኡ`ውን እቲ ምዕጻው ኢንተርነት ፖሊትካዊ ትርጉም ዘለዎ`ዩ ይብል።

“እቲ ምልሓኽ ፈተና ዝሓለፈ ዓመት ብፖለቲካዊ ምኽንያት`ዩ ጀሚሩ፡ ስለዚ ንፖለቲካዊ ጸገም ፖለቲካዊ ፍታሕ ኣብ ክንዲ ምድላይ፡ መንግስቲ ንቴክኖሎጂ `ዩ ዘጥቅዕ ዘሎ።”

ነቐፍቲ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ተአፋፊት ሶማልን ሱዳን ትርኸብ ኣገዳሲት መሓዛ ምዕራብን ሓሓሊፉ ብምክንያት ሃገራዊ ጸጥታ፡ ናጽነት ክትዕፍን ትረአ ሃገር’ያ ይብሉ። መንግስቲ ግን ነዚ ከምዚ ዓይነት ክስታት ይነጽግ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG