ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መጠን ዝቕባበ ኢትዮጵያ ከምዝነሃረ ተፈሊጡ


ናይቲ ቤት ፅሕፈት ወርሓዊ ፀብፃብ ከምዝሓበሮ ናይቶም ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ማእኸላይ መጠን ዝቕባበ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናብ 11.3 ሚእታዊ ብምውንጫፍ መጠን ዝቕባበ ምግቢ ድማ 5.8 ሚእታዊ ኮይኑ’ሎ።ምኽትል ዳይረክተር ያስን ሞሳ ናይ ወርሒ መጋቢት መጠን ካብ ወርሒ ጥሪ 2009 ኣ/ፈ ጀሚሩ እቲ ዝዓበየ እዩ ኢሎም ኣለው።

ኢትዮጵያ ብዘጋጠማ ድርቂ ረድኤት ናይ ዘድልዮም ቁፅሪ ሰባት ኣብዝወሰኸትሉ እዋን መጠን ዝቕባበ እታ ሃገር ከምዝነሃረ ተፈሊጡ።

ማእኽለይ ቤት ፅሕፈት ስታስቲክስ ኢትዮጵያ መጠን ናህሪ ዋጋ ወርሒ መጋቢት ካብዝሓለፈ ተመሳሳሊ ዓመት ብ25 ሚእታዊ ምውሳኹ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕላዊ ገይሩ።ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 16.5 ሚእታዊ እዩ ነይሩ።

ናይቲ ቤት ፅሕፈት ወርሓዊ ፀብፃብ ከምዝሓበሮ ናይቶም ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ማእኸላይ መጠን ዝቕባበ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናብ 11.3 ሚእታዊ ብምውንጫፍ መጠን ዝቕባበ ምግቢ ድማ 5.8 ሚእታዊ ኮይኑ’ሎ።ምኽትል ዳይረክተር ያስን ሞሳ ናይ ወርሒ መጋቢት መጠን ካብ ወርሒ ጥሪ 2009 ኣ/ፈ ጀሚሩ እቲ ዝዓበየ እዩ ኢሎም ኣለው።

መንግስቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪካ ዘይምርግጋእ ዘኸተለ ዓመፅ ናህሪ ዋጋ ምግቢ ይካየደሉ ኣብዝነበረ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበሉ መሰረታዊ ዝኾኑ ሸቐጣት ናይ ዋጋ ተመን ዋላ እንተገበረ እቲ ተመን ኣብ ዕዳጋ ሕፅረት ፈጢሩ እዩ።መንግስቲ ንነጋዶ ሓሊፉ ናይ ብልዒ ዘይትን ሽኮርን ባዕሉ ክሸይጥ’ውን ምኽንያት ኮይኑ እዩ።

ኪኢላታት ስነቁጠባ ናይ ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ መጠን ዝቕባበ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ’ውን ዳግም ከምዝንህር ትፅቢት ይገብሩ።እቲ ናህሪ ቅድሚ ሒደት ማዕልታት ናብ 14 ሚእታዊ ኣብዝወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ተንፀባሪቑ’ሎ።

ብኻሊእ መዳይ ናይታ ሃገር ቤት ፅሕፈት ድልውነት ሓደጋን ረድኤትን ናይ ምግቢ ረድኤት ዘድሊዮ ግምት ቁፅሪ ኢትዮጵያዊያን ኣብዚ ሰሙን እዚ ደጊሙ ፈቲሽዎ’ሎ።ቅድም ክብል ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ብጉድለት ኣመጋግባ ንዝሳቐዩ 2.8 ሚሊዮን ሰባት ንምምጋብ ንዓለም ለኸ ሓገዝቲ ሓገዝ ሓቲቱ ነይሩ።

ዳይረክተር እቲ ቤት ፅሕፈት ዝኾኑ ኣቶ ታደሰ በቀለ ንቪኦኤ ብስልኪ ኣብዝሃብዎ ቃል ኣብ ደቡባውን ደቡባዊ ምብራቕን ክፋላት እታ ሃገር ብዘጋጠመ ከቢድ ድርቂ ረድኤት ናይ ዘድልእዮም ቁፅሪ ሰባት ናብ 3.2 ሚሊዮን ከምዝደየበ ይገልፁ።

ንሶም ‘’ንደቡባውን ደቡብ ምብራቕን ክፋል እታ ሃገር ምስ መሻርኽትና ብምዃን ምሕጋዝ ዘኽለና ሃገራዊ ናይ መኸተ ትልሚ ኣዳሊና ኣለና።ብመሰረቱ ኣብ ምምጋብ እንስሳት ከምኡ’ውን ጥዕና ህፃውንቲ ብድምር ኣብ ምግቢ እዩ ከተኩር።ስለዚ ኣብዞም ከባቢ እዚኦም ሓገዝ ንምቕራብ መሻርኽቲ ክድልዩና እዮም።’’ኢሎም።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም/WFP/ ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሕፅረት ማይ ኣብ እንስሳት ዘስዕቦ ሓደጋ ዘተሓሳስብ እዩ ክብል ኣብዝሓለፈ ዓርቢ መግለፂ ኣውፂኡ’ሎ።እቲ ሪፖርት ኣብ መንጎ እንስሳት ብምርባሕ ዝናበሩ ማሕበረሰባት ብምኽንያት ናይ መግሃጫ መሬት ጎንፂ ናይ ምፍጣር ዕድሉ ዝዓበየ እዩ ይብል።

ብመሰረት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሃዝ ዩናይትድ ስቴትስ ረድኤት ብምቕራብ ኣብ ዓለም እታ ዝዓበየት ብሕታዊ ሃገር እያ።ኣብ ቀረባ ዝወፀ ፀብፃብ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ከምዝሕብሮ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ልዕሊ 58 ሚሊዮን ዶላር ዘውፅእ ናይ ምግቢ ረድኤት ንኢትዮጵያ ሓጊዛ’ላ።

XS
SM
MD
LG