ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመራኸቢ ብዙሃን የንከላብት ኣሎ ክብል Human Rights Watch ኸሲሱ


Human rights watch logo
Human rights watch logo

መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ዝቕፅል ወርሒ ግንቦት 2007 / ዝካየድ ምርጫ ንመራኸቢ ብዙሃን ብስልታዊ ኣገባብ የንከላብቶም ኣሎ ክብል ንሰብኣዊ መሰላት ዝሕለቕ Human Rights Watch ኸሲሱ።ሎማዕንቲ ሓሙስ ዝወፀ ሓድሽ ሪፓርት ኢትዮጵያ ካብ 2010 / ጀሚሩ ንነፃ ጋዜጠኝነት ከመይ ገይራ ከምዝደረት ብዝርዝር ኣውፂኡሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ናይ ግንቦት ምርጫ ንነፃ መራኸቢ ብዙሃንን ጋዜጠኛታትን ዘየናሕሲ እናኾነ ይመፅእ ኣሎ ይብል Human Rights Watch።

ኣብቲ ጉጅለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት መፅናዕቲ ዘካይዱ ፌለኪስ ሆርን መንግስቲ ካብናቱ ዝተፈለየ ኣረኣእያ ንዘለዎም ነፃ ጋዜጠኛታት ዝብድል ኣካይዳታት ይኽእተል ኣሎ ይብሉ።

ፀሓፍቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ምስ እምነታት መንግስቲ ክሰማማዕ ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ፣ሰበስልጣ ፀጥታን ካድራትን ብቴሌፎን፣ብቴክስት ሜሰጅ ወይ ብኣካል መጠንቀቕታ ከምዝበፅሖም ብምግላፅ ዝቕፅል ደረጃ ድማ ንኣባላት ስድራ ምጥንቃቕን ምፍርራሕን ይፍፀሞም ኢሎም።’’ጋዜጠኛታት ፅሑፎም ባዕሎም ንባዕሎም ሳንሱር ክገበሩ ብሃበ ተረኸብ ምእሳርን ምፍርራሕን ይፍፀሞም’’ ምስ በሉ ኣስዒቦም ‘’እዚ እንተድኣ ዘይሰሪሑ እቲ ቐፃሊ ስጉምቲ ብገበናት ይኽሰሱ’’ኢሎም።

እቲ ‘’ጋዜጠኝነት ገበን ኣይኮነን’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝወፀ ፀብፃብ ኣብ 2014 / ብምኽንያት ፅዕንቶ መንግስቲ ሽዱሽተ ነፃ ሓተምቲ ተዓፂዮም ይብል።22 ጋዜጠኛታት፣ብሎገራትን ሓተምትን ብገበን ተኸሲሶም ኣለው።ልዕሊ 30 ጋዜጠኛታት ድማ ካብታ ሃገር ከምዝሃደሙ እቲ ፀብፃብ ይሕብር።መብዛሕቲኦም ጋዜጠኛታት ብሰፊሑ ብዝንቀፍ ፀረ-ግብረሽበራ ሕጊ ዝተኸሰሱ እዮም።ኣባላት ዞን 9 ብዝብል ሽም ናይ ዝፅዋዕ ጉጅለ ብሎገራት እውን ተኸሲሶም ይርከቡ።

Human Rights Watch ዜጋታትን ታሕተዎት ሰበስልጣን መንግስትን ምስ መራኸቢ ብዙሃን ቃለ መጠይቕ ንምክያድ ይፈርሑ እዮም ይብል።እቲ ዓፈና ኢሎም ሆርን ብዛዕባ እቲ ዝመፅእ ምርጫ መማረፂ ኣረኣእታ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ከይዝተየሉ ዕንቅፋት ብምዃኑ ብዙሕ ክትዕ ኣይርአይን ዘሎ ይብሉ።

ኣብ ናይታ ሃገር ፖለቲካዊ ክትዕን ልዝብን ኣበርክቶ ክገብር ዝኽእል፣ኣገዳሲ ሓበሬታ፣ኣብ እዋናዊ ዛዕባታት ነቐፌታዊ ትንተነን ዝህብ ዕቱብን እናዓንበበ ዝኸይድን ነፃ ሚዲያ ክህሊ ወሳንን ኣገዳስን እዩ፤እቲ ዘሕዝን ግን ካብ 2010 ጀሚሩ ናይ ውልቂ መራኸቢ ብዙሃን እናጠፍኣ ይኸይዳ እየን ዘለዋ ኢሎም።

ፍሉይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ’’HRW ብደገፍቱ ዋላ ከይተረፈ እምነት ካብ ዝስእን ነዊሕ ግዜ ስለዝገበረ ንናቶም ሪኢቶታት መልሲ ክንህብ ትርጉም የብሉን’’ ኢሎም።ብዛዕባ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት እንትምልሱ ኣቶ ጌታቸው ‘’ጋዜጠኛታት ይኹኑ ምስሉያት ጋዜጠኛታት ኣብ ገበን እንተተሳቲፎም ተሓተቲ እዮም’’ኢሎም።

Human Rights Watch መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝኣሰሮም ጋዜጠኛታትን ብሎገራትን ክፈትሖምን ፀረ-ሽብር ሕጊ ከምዝኣመሰሉ ኣዋጃት ከመሓይሾምን ፀዊዑ።

XS
SM
MD
LG