ኣዲስ ኣበባ —
መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኣብ ካልኣይ ዙር ልዝብ ተጸሚዱ ከምዝርከብ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ገሊጾም።
ኣብ ከተማ ዳሬሰላም ታንዛንያ ካብ ዝሓለፈ ቅነ ዝጀመረ ልዝብ፣ ኣወንታዊ ለውጢታት ኣብ ምርኣይ ከምዝርከብ ናብቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።
ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ብወገኑ እቲ ልዝብ ይካየድ ከምዘሎ ካብ ምጥቃስ ሓሊፉ ጽጹይ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ እቲ ልዝብ ኣብ ከይዲ ከምዝርከብ ሓቢሩ'ሎ።
ልኡኻት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ብኣዛዚ’ቲ ሰራዊት ጃል መሮን ምክትሉ ጃል ገማቹ ኣቦዬ ዝምራሕ ከምዝኾነ’ውን ዝረኸብናዮ ዜና ይጠቅስ።
ቅጥዒ