ኣብ መንጎ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ዳሬሰላም ታንዛኒያ ዝካየድ ዘሎ ካልኣይ ዙር ዝርርብ ሰላም ጽቡቕ ገስጋስን ትስፉው ናይ ምትእምማን መንፈስን ይርኣዮ ከም ዘሎ ኣብቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ኣካላት ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። እቶም ምንጭታት ብዛዕባ’ቲ ከይዲ ዘተ ንኽዛረቡ ወግዓዊ ሓላፍነት ስለ ዘይብሎም መንነቶም ክዕቀበሎም ዝመረጹ ኮይኑ ግን ኣካል’ቲ ዘተ ምዃኖም ዝተፈልጡ ምንጭታት፡ ካብ ትማሊ ሰንበት ጀሚሮም ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴንን ሚኒስተር ፍትሒ ኢትዮጵያ ጊደዎን ጢሞቶዎስን ከም ዝተሓወሱ’ውን ወሲኾም ገሊጾም።
ኣብቲ ዘተ ሰላም፡ ዋና ጸሓፊ በይነ-መንግስታዊ ውድብ ኢጋድ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ብመሪሕነት ይሳተፍ ምህላዉ እቲ ምንጪ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።
ተወከልቲ መንግስታት ኖርወይን ኣመሪካን ኣብቲ ዘተ ይሳተፉ ምህላዎም ተፈሊጡ ኣሎ።
ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ብዛዕባ’ቲ ዘተ ሰላም ኣመልኪቱ ሎሚ ሰኑይ 13 ሕዳር 2023 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣዛዚ እቲ ሓይሊ ጃል ማሮ ኣብ ታንዛኒያ ይሳተፍ ምህላዉ ኣመልኪቱ ኣሎ። እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ንሰላም ዘለዎ ቅሩብነትን ድሌትን ብምስፋር፡ ዘላቒ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምርካብ ክሰርሕ ምዃኑ ሓቢሩ። ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ምዕባለ ድማ ከከም እዋኑ መብርሂ ክህቡ ምዃኖም እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ወሲኹ ይሕብር።
ቅጥዒ