ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ንህጹጽ ረድኤት መግቢ ዝኸውን 612 ሚልዮን ዶላር የድሊ ተባሂሉ


ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝተኸሰተ ድርቂ በዝሒ ህፁፅ ረድኤት ምግቢ ዘድልዮም ብዝተወሰነ ምንካዩን ሕዚ እውን እንተኾነ ግን ልዕሊ 612 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ትፅቢት ከምዝግበርን መንግስትን መሻርኽቱን ኣፍሊጦም።

ናይ በልጊ ዝናብ ኣብ ግምት ብምእታው ከም ብሓድሽ ዝተዳለወ ሰነድ ሰብኣዊ ረድኤት ሎማዕንቲ ዓርቢ ዕላዊ ኮይኑ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ በልጊን ክረምትን ዝናብ ብምጥፍኡን ብሰንኪ ክስተት ኤልኒኞን ሚሊዮናት ሰባት ተፀበይቲ ረድኤ ኮይኖም እዮም።ዝሓለፈ ለካቲት ብዝጀመረ ናይ በልጊ ዝናብ ምኽንያት 10.2 ሚሊዮን ዝነበረ በዝሒ ተሓገዛይ ናብ 9.7 ሚሊዮን ነኪዩ’ሎ።

ነቲ ከም ብሓድሽ ዝወፀ ሰነድ ብዝምልከት መግለፂ ዘውፅአ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣዋሃዲ ሰብኣዊ ረድኤት/ኦቻ/ ምንቅስቓስ ረድኤ ክሳብ ዝቕፅል ታሕሳስ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሉ።ክሳብ ሎሚ ልዕሊ ሓደ ቢሊዮን ዶላር ከምዝተረኸበን ልዕሊ 612 ሚሊዮን ዶላር ገና ትፅቢት ከምዝግበርን ሓቢሩ’ሎ ይብል ፀብፃብ እስክንድር ፍሬው።

ብኻሊእ ዜና ዓለምለኸ ምትሕብባር ንመሰል ኢትዮጵያዊያን ዝተብሃለ ሰብኣዊ ትካላን ዎርልድ ቪዥን ዩናይትድ ስቴትስን ኣብ ኢትዮጵያ ብድርቂ ንዝተጠቕዑ ዝውዕል ፋይናንሳዊ ሓገዝ ብዝምልከት ናይ መረዳድኢ ስምምዕ ፈሪሞም።

ዓለምለኸ ምትሕብባር ንመሰል ኢትዮጵያዊያን ካብ ኢትዮጵያዊያን ዳያስፖራ ተወሳኺ 70 ሽሕ ዶላ ከምዝኣከበ ኣብዝለኣኾ መግለፂ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG