ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዕዳጋ ከተማ ፍኖተሰላም ብዘጋጠመ ፍንጀራ 34 ሰባት ቆሲሎም


ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ፍኖተ ሰላም ኣብ ዕዳጋ ብዘጋጠመ ፍንጀራ 34 ሰባት ከቢድን ቀሊልን መቑሰልቲ ከምዘጋጠሞም ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ገሊፁ።

ድምፂ ኣመሪካ ሎሚ ሰኑይ ዘዘራረቦም ስሞም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ፍኖተ ሰላም በቲ መጥቓዕቲ 27 ሰባት ቆሲሎም ከም ዝመፁን ሓደ ካብኦም ንዝሓሸ ሕክምና ናብ ከተማ ባህር ዳር ከምዝተልኣኸን ገሊፆም።

ኣብታ ከተማ ኣቐዲሙ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ 60 ሰባት ጉድኣት ከምዝበጽሐ ተገሊጹ'ሎ።

ትማሊ ሰንበት መግለፂ ዝሃበ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ተሓታቲ ናይቲ ፍንጀራ "ፅንፈኛ’’ ኢሉ ዝፀውዖ ዕጡቕ ጉጅለ እዩ ኢሉ፡ ካብ ዕጡቓት ፋኖ ርእይቶ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይተዓወተን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG