ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተዓዘብቲ ኣብ ዘይተረኽብሉ ዝተኻየደ ምርጫ ኢትዮጵያ ክድገም ኣለዎ ኢሎም ተቓወምቲ


Medrek leaders (Left to Right) Negaso Gidada, Gizachew Shiferaw, Gebru Asrat and Siye Abraha campaigning
Medrek leaders (Left to Right) Negaso Gidada, Gizachew Shiferaw, Gebru Asrat and Siye Abraha campaigning

ናትና ተዓዘብቲ ተቐጥቂጦም ዝተሰጎጉሉ ምርጫ ስለዝነበረ፡ ውጽኢቱ ኣይንቕበሎን ዝበሉ ኣቦ መንበር መኢኣድ እንጂነር ሃይሉ ሻውል፡”ናይ ህዝቢ ተዓዛቢ ኣብ ዘይብሉን፡ ናይ ፓርቲ ተዓዛቢ ኣብ ዘይብሉን፡ መን ቆጺሩ መን`ዩ ውጽኢት ዝነግር” ክብሉ ሓቲቶም።

ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ መግለጺ`ውን፡ ብመድረኽ ቀሪቡ ኔሩ።ኣቦ መንበር መድረኽ ፕሮፈሰር በየነ ጰጥሮስ “ብደረጃ ዓለም ኮነ ብደረጃ ሃገር ክርአ ኸሎ፡ ምርጫ ዘይኮነስ፡ ኢህወደግ ዝሰርሖ ድራማ ስለዝኾነ፡ ተዓዘብቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ክድገም ኣለዎ” ኢሎም።

ምኽትል ኣቦ መንበር መድረኽ ኣይተ ገብሩ ኣስራት ብወገኖም፡ ” ኣብ ቅድሜና ንርእዮ ዘለና ነገር፡ ናይ ሓደ ፓርቲ ውልቀመላኽነት ወይ tyranny ነጊሱ ከምዘሎ`ዩ፡ ምኽንያቱ ንድሕሪት ዝተመልሰ ናይ ሓደ ፓርቲ ኣገዛዝኣ ተመስሪቱ`ሎ” ኢሎም።

ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ወኪላትና ናይ ዝለኣኽዎ ጸብጻባት ምሉእ ትርጉም፡ ኣብ`ቲ ናይ ድምጺ ምልክት ብምጥዋቕ ስምዑ።

XS
SM
MD
LG