ኢትዮጵያ ሓዳስ ኣባል ግልፅነትን ተሓታትነትን ተበግሶ ምምሕዳር ተፈጥሮ ሃብቲ ውሽጢ መሬት ኮይና።ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣብ ኦስሎ ኖርዌይ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኣባላት ምልመላ ኣኼባ ኢትዮጵያ ኣባል ኮይና ምምራፃ ህይውማን ራይትስ ዎች ተቓዊሙዎ’ሎ።
ኣባላት ቦርድ ተበግሶ ግልፅነት ኢንዱስቱሪታት ዕደና ተፈጥሮ /Extractive Industries Transparency Intiative ብኣህፁረተ ቃል EITI ሎማዕንቲ ኣብ ኖረወይ ኣብዘካየድዎ ኣኼባ ናይ ኢትዮጵያ ሕቶ ኣባልነት ተቐቢሎምዎ።
EITI ኢትዮጵያ ንዝቕረበቶ ሕቶ ኣባልነት ንኽነፅጎ ንሰብኣዊ መሰላት ዝሕለቑ ትካላትን ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ናይ ኢትዮጵያ ስቪካውን ፖለቲካውን ጉጅለታትን ክሓቱ ፀኒሖም እዮም።እንተኾነ ሕቶታቶም ኣይሰመረን።
ኣብ ዙሪያ ዓለም ናይ ተፈጥሮ ፀጋታት ማለት እውን ነዳዲ፣ናይ ተፈጥሮ ጋዝ፣ማዕድናትን ዝኣመሰሉ ካብ ምውፃእ ፀጋታት ጀሚሩ ንስርዓት ዕዳጋ፣ክፍፍልን ምምሕዳርን ኣታዊ ግልፅነት ናይ ዝምርምርን ደረጃ ዘውፅእን EITI ኣባል ምዃና ንዓፈና ምትብባዕ እዩ ክብል ኣብ ኒውዮርክ ዝመደብሩ ንሰብኣዊ ምሰላት ዝሕለቕ ህይውማን ራይትስ ዎች ተቓዊሙዎ’ሎ።
ኣብ ህይውማን ራይትስ ዎች ብዓል ሙያ ዓለምለኸ ንግድን ሓለዋ ሰብኣዊ ምሰላትን ሊሳ ሚሶል ትካለን ንናይ ኢትዮጵያ ኣባልነት ዝቃወም ዘሎ ገለልተኛ ዝኾኑ ናይ ማሕበረሰብ ተቛማትን መራኸቢ ብዙሃንን ስለዝንከላበቱ እዩ ኢለን።
ኢትዮጵያ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት እውን ተመሳሳሊ ሕቶ ኣባልነት ኣቕሪባ ተቐባልነት ከይረኸበት ፀኒሓ እያ።ናይዚ ትካል እዚ ኣባል ምዃና ማዕድናትን ናይ ተፈጥሮ ፀጋታታን ኣብ ምብልፃግ ዝተዋፈሩ ኩባኒያታት መዋእለ ንዋዮም ንኸፍሱ፣ካብኡ ሓሊፉ ድማ ናይ ማዕድን ዘፈራ ንምልማዕ ዓለምለኻዊ ናይ ልቓሕ ሓገዝ ንኽትረክብ በሪ ዝኸፍት እዩ።
ኣብ ብሪታኒያ ኣብ ናይ ቀደም ናይ ቶኒ ብሌይር ምምሕዳር ናይ ወፃኢ ሓገዝ ምንስቴር ዝነበሩ ኣቦ መንበር እቲ ትካል ክለር ሾርት ንኢትዮጵያ ዝሃብዎ ደገፍ እንትገልፁ ሰብኣዊ መሰላት ወሳኒ መዐቀኒ እንተኾነ እውን ሰብኣዊን ፖለቲካውን መሰላት ዜጋታት ጥራሕ ግን ኣይኮነን ይብሉ።መሰል ቁጠባዊ ሃብቲ ማሕበረሰብ ማለት እውን ጉዳይ በሊዕኻ ምሕዳር እውን ሰብኣዊ መሰል እዩ ክብሉ ኢትዮጵያ ንዘቕረበቶ ሕቶ ኣባልነት እቲ ትካል ንኽቕበሎ ብትሪ ተማጊቶም።