ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮዽያን ግብፅን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ይሰሓሓባ


Nile River
Nile River
መንግስቲ ኢትዮዽያ፤ህንፀት ግድብ ዓብዪ ህዳሴ፣ሰላሳ ሚእታዊ ተዛዚሙ ክብል ዝዘርገሖ ሓበሬታ ንሃልኪ ሚድያን ፖለቲካዊ መኽሰብን ዝዓለመ‘ዩ ትብል ግብፂ።

መንግስታዊ ወሃቢ-ቃል ካሊድ ዋሲፍ፣ደረጃ ህንፀት‘ቲ ግድብ ኣብ ኣዝዩ ትሑድ ደረጃ ከምዝርከብን ኣብ’ቲ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝትከለሉ ስፍራ ሓንቲ ጡብ‘ውን ኣይተነድቀትን ኢሉ።

ካሊድ ዋሲፍ ወሲኹ፣ግድብ ህዳሴ ኢትዮዽያ በቲ ዝተወጠነሉ ምህናፁ እንተቀፂሉ ንግብፂ ቅፅበታዊ ሓደጋ ስለዘስዕብ፣ግብፂ ኣይትቅበሎን ኢሉ።

ኣብ‘ቲ ካርቱም ዘተኣናገደቶ ኣኼባ ሰለስተ ሃገራት ንኢትዮዽያ ወኪሎም ዝተሳተፉ ኣቶ ፊቅኣሕመድ ነጋሽ፣ግብፂ ካብ ሞንጎ ዘቅረበቶም እማመታት ሓደ ኢትዮዽያ ንናይ ግብፂ ውሕስና ማይ ክተረጋግፅ ከምዝብል፣እዚ ማለት ኣብ 1929ን 1959ን ዓ/ም ኣውሮዻ ብመሰረት ዝተፈረመን ኢትዮዽያ ዘይትቅበሎን ውዕል 55 ቢልዮን ሊትሮ ማይ ክዕቀበለይ ይደልይ‘የ ከምትብል፣እዚ ሓሳብ‘ዚ ብኢትዮዽያ ዝንፀግ‘ዩ‘ውን ኢሎም።

ካብ ግብፂ ወገን ይቃልሑ ዘለው መግለፂታት፣ኢትዮዽያ ንትፍፅሞም መፅናዕታትን ስራሕቲን፣ንመርሃ-ግብሪን ህንፀትን ግድብ ህዳሴ ፅልዋ የብሉን፣እቶም ወሰንቲ መንግስቲን ህዝብን ኢትዮዽያን‘ዮም‘ውን ኢሎም ኣቶ ፊቅኣሕመድ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ድሕሪ‘ቲ ናይ ካርቱም ኣኼባ ሰለስተ ሃገራት፣ኣብ ካይሮ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ምክልኻል ግብፂ ቅድሚ ትማሊ ረቡዕ ተካይዱ፣ እቲ ግድብ ዘምፅኦ ሳዕቤን ከምዝተዘራረብሉ ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ።
ሙሉእ ሪፖርት ኣዳምፁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:28 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG