ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፣ግብጽን ሱዳንን አብ ጉዳይ ግድብ ኣባይ ተሰማሚዔን


ፋይል
ፋይል

ኣብ ካርቱም ተራኺቦም ዝነበሩ ሚኒስትራት ወጻኢን ማይን ሱዳን፡ኢትዮጵያን ግብጽን ከምዝተሰማምዑ ተገሊጹ።

ብመሰረት’ዚ፣ ቀዳማይ መጽናዕቲ እቲ ግድብ ኣብ ውሽጢ ክንደይ ዓመታት’ዩ ክማላእ ከምዘለዎ ዝንጽር፣ እቲ ካልኣይ መጽናዕቲ ድማ ኣብ ልዕሊ ግብጽን ሱዳንን ክወርድ ንዝኽእል ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊን ከባቢያዊን ጽልዋታት ዘጽንዕ’ዩ።

ኣብ ልዕሊ ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዝካየዱ ክልተ ዝተፈላለዩ መጽናዕታት ዘሳልጡ ኩባንያታት እውን ተመሪጾም’ለው።

ሚኒስትር ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ‘ነተን ኩባንያታት መሪጽና ኣለና። ክሳብ መወዳእታ ጥሪ እተን ኩባንያታት ከምዝተሰማማዓ ክገልጻልና’የን። ድሕሪኡ፣ ነቲ መጽናዕቲ ዝጅምራሉ ጊዜ ክኸውን’ዩ’ ይብሉ።

እተን ኩባንያታት ነቲ ኣገዳሲ መጽናዕቲ ክሳብ ዝዛዝማ ህንጸት’ቲ ግድብ ከምዘይቋረጽ ተሰማሚዕና ኢና ኢሎም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣

ንሶም ወሲኾም ‘ህንጸት’ቲ ግድብ ኣይቋረጽን ክቕጽል’ዩ። ከደናግሩ ዝፍትኑ ሓይልታት ኣለው እንተኾይኖም ይዛረቡ። ንጹር ኣረዳድኣ’ዩ ዘሎ እንተደሊኹም፣ኣብ’ቲ ስምምዕነት’ውን፣ ህንጸት’ቲ ግድብ ጎና ጎኒ ክቕጽል’ዩ እዩ ዝብል’ ኢሎም።

ነቲ መጽናዕታት ዘካይዳ ፈረንሳዊያን ኩባንያታት ቢ-ኣር-ኤል ንዝዓበየ ክፋል’ቲ መጽናዕቲ፣ኩባንያ ኣርተልያ ድማ ንገለ ውሱን ክፋል’ቲ መጽናዕቲ ክተሳልጥ’ያ።

XS
SM
MD
LG