ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘’ኣብ እትዮጵያ ሎሚ ይኹን ኣብዝሓለፉ 20 ዓመታት ጥምየት ኣየጋጠመን’’ምንስቴር ሕርሻ ኢትዮጵያ


እቶም ምንስቴር ድኤታ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ድርቂ ናብ ጥምየት ኣይሰገረን ይብሉ

ኣብ ኢትይጵያ ሕዚ ይኹን ኣብዝሓለፉ 20 ዓመታት ድርቂ እምበር ጥምየት የለን ክብል ምንስቴር ሕርሻ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።ምንስቴር ደኤታ ሕርሻ ኢትዮጵያ ኣቶ ምትኩ ካሳ ከምዝገለፅዎ ብምኽንያት እቲ ድርቂ ህፁፅ ረድኤት ምግቢ ናይ ዘድልዮም ቁፅሪ ሰባት እውን ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ጥቅምትን ሕዳርን ብዝለዓለ ደረጃ ክንኪ እዩ ይብሉ።

ኣቶ ምትኩ ካሳ ኣብ ምንስቴር ሕርሻ ዘፈር ምክልኻል ሓደጋ፡ድልውነትን ውሕስነት ምግብን ምንስቴር ደኤታ እዮም።እስክንድር ፍሬው ኣብዚ ሰሙን እዚ ተዘዋዊሩ ዝተዓዘበን ናይ ድርቂ ወረዳታት መለዐሊ ብምግባር ምስ ኣቶ ምትኩ ቃለ መጥይቕ ኣካይዱ’ሎ።

ኣብ ገለ ገለ ወረዳታት ናይ ተሓገዝቲ ቁፅሪ ወሲኹ’ሎ።ብደርጃ ሃገር’ከ ዝብል ተሓቲቶም እቲ ቁፅሪ ኣብዘለዎ ከምዘሎን ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ጥቅምትን ሕዳርን ትርጉም ብዘለዎ ከምዝንክን ይገልፁ።ምኽንያቱ ድማ ናይ ፅዲያ እዋን ኣምረቲ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ዝናብ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ስለዘሎ እዩ ኢሎም።ብምቕፃል ‘’ካብ ሃገራዊ ኤጀንሲ ሜትሮሎጂ ብዘለና መረዳእታ እታ ዘላ ሽግር ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ክተብቅዕ እያ።ኣብ ጥቅምትን ሕዳርን እኹል ምህርቲ ስለዝህሊ ክሳብ ሽዑ ግን ቁፅሪ ተሓገዝቲ 4.5 ሚሊዮን ዝብል ኢና ሒዝና ክንቕፅል።’’ኢሎም።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ወርዳ ሻላ ቅድሚ ሕዚ ሸሞንተ ሽሕ ዝነበረ ቁፅሪ ተሓገዝቲ ሕዚ ናብ 41 ሽሕ ምዕባዩ፡ኣብ ወረዳ ኣርሲ ነገሌ ዝነበረ ቁፅሪ ተሓገዝቲ ካብ 23 ሽሕ ናብ 30 ሽሕ ምውሳኹ ኣብ ሓፈሻዊ ኣሃዝ ክውስኽዶ ኣይነበሮን ዝብል ተሓቲቶም ኣቶ ምትኩ ካሳ እንትምልሹ ቅድም ክብል ከምዝሓበርኩዎ እቲ 4.5 ሚሊዮን ምስ ህፁፅ ረድኤት ተዛሚዱ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ድልየት ቀረብ ምግቢ እዩ።ምሽግሻግ ንገብር ኣለና።ኣብ ውሽጢ ሓደ ክልል ኣብ ሓደ ከባቢ ምምሕያሽ የርኢ’ሞ ኣብ ካሊእ ከባቢ ተወሳኺ ድልየት እንተሃሊዩ ምምሕያሽ ካብዝተርአየሉ ናብቲ ክብድ ዝበለ ከባቢ ናይ ምሽግሻግ ስራሕ ይስራሕ።’’ኢሎም።

እቶም ምንስቴር ድኤታ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ድርቂ ናብ ጥምየት ኣይሰገረን ይብሉ።ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ መራኸቢ ብዙሃን ናይ ምብራቕ ኣፍርካ ድርቂ፡ናይ ቀርኒ ኣፍሪካ ጥምየት እናትብሃለ ይፅዋዕ ኣሎ’ሞ ናትኹም ሪኢቶ እንታይ እዩ ተባሂሎም ከምዚ ይብሉ።’’ናትና ድርቂ እዩ።ጥምየት ዝብሃል የብልናን።እዚ ዓመት እዚ ሓዊሱ ኣብቶም ዝሓለፉ 20 ዓመታት ጥምየት ዝበሃል ኣይተርኣየን።ኣብ 1966ን ኣብ 1977 ዓ/ም ኣብ ሃገርና ዝተኸሰቱ መርእያታት ጥምየት እዮም።’’ይብሉ።

ብሚሊዮናት ዝቑፀሩ ዜጋታት ንናይ ድርቂ ሽግር ምስጥሖም መንግስቲ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ዝተኸተሎ ውፅኢት ዝተጋገየየ ፖሊሲ እዩ ክብሉ ተቓወምቲ ይነቕፉ።

XS
SM
MD
LG