ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ተወሳኺ ሓደ ሽሕ ወታደራት ናብ ደቡባዊ ሱማሊያ ትልእኽ


SOMALIA
SOMALIA

መንግስቲ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ሓደ ሽሕ ወታደራት ናብ ደቡባዊ ሱማሊያ ከምዝልእኽ ጸብጻብ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ሶማልያ ኣፍሊጡ።

እዚ ሓድሽ ሓይሊ ነቲ ብምኽንያት ለበዳ ኢቦላ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ታሕሳስ ካብታ ሃገር ዝወጹ ሓይልታት ሰራሊዮን ሒዞምዎ ዝነበሩ ቦታታት ንምሽፋን እዩ።ብመሰረት ምንጭታት ወታደራዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ እቶም ወታደራት ኣብ ወደባዊት ከተማ ኪስማዮ ሓዊሱ ኣብ ዞባ ታሕታይ ጁባ ክምደቡን ሓይልታት ግዚያዊ ምምሕዳር ጁባላንድ ንዕጡቓት ኣል-ሸባብ ካብቲ ግዝኣት ንምውጻእ ኣብ ዘካየድዎ ውግእ ክሕግዙን እዮም። እቲ ሓይሊ መዓስ ናብቲ ቦታ ከምዝዋፈር ግን ኣይተፈለጠን።

XS
SM
MD
LG