ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝተኣሰሩ ሰብ ሃብቲ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ርክብ ነይሩዎም ኢሎም ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ


ጠቅላይ ሚኒስትር ኃይለማርያም ደሣለኝ
ጠቅላይ ሚኒስትር ኃይለማርያም ደሣለኝ
ብግዕዝይና ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ካብ መንጎ ዝወዓሉ ሰብ ሃብቲ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ዝጠበቐ ርከብ ነይሩዎም ኢሎም ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ።

ኣብ ፓርላማ ብሕታዊ ኣባል ተቓዋሚ ድማ ኢህወዴግ ብሓደ ኢዱ እዩ ዘጣቕዕ ዘሎ ክብሉ እቲ ቓልሲ ብናይ ገዛኢ ፓርቲ ፃዕሪ ጥራሕ ከምዘይዕወት ተዛሪቦም።

ሎማዕንቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኸፈተ ካልኣይ ስሩዕ ሓፈሻዊ ኣኼባ ሃገርለኸ ጥምረት ፀረ-ግዕዝይና መደረ ዘስምዑ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ንቐፃልነት ኢህወዴግ ዝዘርግሖ ልምዓታዊ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ካብ ዝፈታተኑ ሽግራት ሓደ ግዕዝይና እዩ ኢሎም።

ቀንዲ ጠመተ ቓልሲ ፀረ ግዕዝይና ኣብ ምምሕዳር መሬት፣ምምሕዳር መንግስታዊ ኣታዊ፣ኣብ ዝለዓለ ናይ መንግስቲ ዕድጊትን መሸጣን ኣብ ምምሕዳር ፍትሒን ዝርኣዩ ግዕዙይ ኣሰራርሓታትን ዝፍፀሙ ግዕዝይናን ንክኸውን ተወሲኑ ስትራተጂካዊ ትልሚ ወፃኢሉ እናተሰርሐ ምዃኑ እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ሕባኢሮም።

‘’ናይ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ስዒቡ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ካብ ዝውዓሉ ሰብ ሃብቲ ገሊኦም ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ከይተረፈ ዝጠበቐ ርክብ ስለዝነበሮም መንግስቲ ኣይደፍሮም ተባሂሉ ክሳብ ምግማት ተበፂሑ ነይሩ’’ዝበሉ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ናይ ከምዚኦም ዝበሉ ሰበስልጣንን ኣከብቲ ኺራይ ሰብ ሃብትን ምትእስሳር ፀረ ልምዓትና ስለዝኾነነ ብፅኑዕ ክንቃለሶ ኢና።

ዝኾነ ይኹን ናይ ስራሕን ናይ መንበሪ ከባቢን ንግዕዙያት ዘይምቺ ምግባር እቲ ሓደ ናይ መቃለሲ መንገዲ እዩ ዝበሉ ኣቶ ሃይለማሪያም ነዚ ድማ ፀረ ግዕዝይና ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ምፍጣር እዩ ኢሎም።እንተኾነ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ተፈጢሩ ክብሃል ስለ ዘይክኣል ኣብ ልዕሊ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ብዝሓሸ ክስራሕ ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም።

ብሕታዊ ተቓዋሚ ኣባል ፓርላም ኣቶ ግርማ ሰይፉ እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ኣንፃር ግዕዝይና ዘለዎም ድልውነት ምርግጋፆም ሓደ ፅቡቕ ጎኒ ኮይኑ እንተኾነ ሎሚ እውን ኣብ ቓልሲ ፀረ ግዕዝይና ብዓል ዋና ኢህወዴግን ኢህወዴግ ዘጣየሾም መሓውራትን ጥራሕ እዮም ኢሎም ምሕሳቦም ብሓደ ኢድ ምጥቓዕ እዩ ኢሎምዎ ኣለው ኣቶ ግርማ።ናይ ተቓወምቲ ጊደ እውን ክህሊ ኣለዎ ኢሎም።
XS
SM
MD
LG