ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕርይቲ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮዽያ ጌጋ ምፍፃማ ተገሊፁ


ETHIOPIA
ETHIOPIA
ሕርይቲ ጋንታ ኢትዮዽያ ምስ ቦትስዋና ኣብ ዝተጋጠመትሉ እዋን፣ክልተ ጊዜ ቢጫ ካርድ ስለ ዝተዋሃቦ ክዓርፍ ዝነበሮ ምንያህል ተሾመ ከምዘሰለፈት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ‘ታ ሃገር ኣሚኑ።

ፕረዚደንት‘ቲ ፈደረሽን ኣቶ ሳህሉ ገብረማርያም፣ነቲ ጥፍኣት ኣሚኖም፣ እቲ ፈደረሽን ንፊፋ ይግባይ ከምዘይብል‘ውን ጠቂሶም ብመሰረት ሮይተርስ ዝፈነዎ ዜና።

ብመሰረት‘ዚ ጋንታ ኢትዮዽያ፣ገንዘባዊ ቅፅዓትን ብፎርፌ ክትሳዓርን እዚ ማለት፣ኣብ‘ቲ ግጥም ዘመዝገበቶ ሰለስተ ነጥቢ ተመንጢላ ንጋንታ ቦትስዋና ክፍቀደላ‘ዩ።ጠንቁ ድማ፣ምሕላፋ ዘረጋገፀት ጋንታ ኢትዮዽያ ንድሕሪት ክትምለስ‘ያ።ምስ ጋንታ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝመፅእ መስከረም ንእትገብሮ ግጥም ክትፅበ‘ያ።

ማዕረ ማዕሪኡ ብክልተ ነጥቢ ትሒታ ዘላ ደቡብ ኣፍሪቃ‘ውን ተስፋኣ ክናዋሕ‘ዩ።ኢትዮዽያ ብሪፐብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ እንተተሳዒራ፣ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ንቦትስዋና እንተስዒራ፣ናብ ዝቅፅል መድረኽ ትሓልፍ ደቡብ ኣፍሪቃ ትኾን‘ላ ማለት‘ዩ።

ብመሰረት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮዽያ ሎሚ ዘካየዶ ገምጋምዊ ኣኼባ፣ በቲ ዝተፈፀመ ጌጋ ተሓተቲ ዝበሎም፣መራሒ‘ታ ጋንታ ኣቶ ብርሃኑ ከበደ፣ ዓላሚ‘ታ ጋንታ ኣቶ ሰውነት ቢሻው፣ሓጋዚኡ ኣቶ ስዩም ከበደ፣ተሰላፋይ‘ታ ጋንታ ምንያህል ተሾመን ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት’ቲ ፈደረሽን’ዮም ይብል።

ብዝተኸሰተ ፀገም ከቢድ ጓሂ ከምዝተሰመዖ ዝገለፀ ፈዴረሽን ኩዕሶ እግሪ፣ንህዝቢ ኢትዮዽያ ይቅረ በለለይ ክብል ከሎ፣ነቶም ጌጋ ዝፈፀመ ዝዋሃቦም ውሳነ ኣብ ቀረባ ከፍልጥ‘የ ኢሉ‘ሎ።
XS
SM
MD
LG