ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

14 ዓመታት ድሕሪ ብይን ኮምሽን ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን (2ይ ክፋል)


መራሒ ኣልጀርያ ምስ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊን ፕረ. ኢሳያስ ኣፈወርቂን
መራሒ ኣልጀርያ ምስ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊን ፕረ. ኢሳያስ ኣፈወርቂን

‘ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከም’ቲ ዘለዎ ኮይኑ ክቅፅል ስለዘይኽእል ክልቲኤን ሃገራት ኣፈላላየን ፈቲሐን ርክበን ናብ ንቡር ክምለሳ ኣለወን’ ኢሎም ወካሊ ኢትዮጵያ።

ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ንጉዳያት ሰላምን ፀጥታን ዝከታተሉ ኣቶ ዳዊት ይርጋ ‘ኢትዮጵያ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዘቅረበቶ ደብዳቤ ክልተ ቁም-ነገራት ዝሓዘ’ዩ፣ ቀዳማይ - ቤት ምኽሪ ፀጥታ፣ ክልተ ንእገዳታት ዝምልከቱ ውሳነታት ከምዘሕለፈን፣ኤርትራ ብዙሕ ጊዜ ዘይትዛረበሉ ውሳነ እገዳ ቁፅሪ 2923ን እዩ። እዚ ውሳነ’ዚ፣ ኤርትራ ነቲ ዞባ ከይትህውኽን፣ ኣብ’ቲ ዞባ ንዝንቀሳቀሱ ጉጅለታት ከይተሕግዝን ይሓትት። መራሒ 7 ግንቦት ኣብ ኣስመራ መገሻ ፈፂሙ’ዩ። እዚ ድማ ግልፂ ምጥሓስ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፀጥታ’ዩ ይብሉ ኣቶ ዳዊት።

‘ካልኣይ- ምስ ግጭት ኢትዮ-ኤርትራ ተኣሳሲሩ፣ ውዕል ኣልጀርስ ንክልተ ኮሚቴታት ኣቑሙ’ዩ። ኮምሽን ዶብን ኮምሽን ካሕሳን’ዮም። ብዙሕ ጊዜ ክጥቀስ ዘይትሰምዖ፣ ኮምሽን ካሕሳ ዘሕለፎ ውሳነ’ሎ። ኤርትራ ንቻርተር ሕ/ሃ ጥሒሳ ንኢትዮጵያ ምውራራ ብንፁር ኣቐሚጡ’ሎ። ስለዚ ኤርትራ ደጋጊማ ኢትዮጵያ ወሪራትኒ ዝብል ትህቦ መግለፂ ዝወፀሉ ፅውፅዋይ’ዩ’ ኢሎም ኣቶ ዳዊት።

ኣብ ዘረባና፣ ኣብ’ዚ ቀረባ ጋሻና ዝነበሩ ኣብ ሚኒስቲር ወፃኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ነበር ሚስተር ኸርማን ኮሀን፣ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ሚስጢራዊ ዲፕሎማስያዊ ልዝብ ኣካይድ ኣለኹ ከምዝበሉና ዝዝከር’ዩ። ኢትዮጵያ ኣብ’ቲ ሚስተር ኮሀን ዝበልዎ ሚስጢራዊ ልዝብ ትሳተፍ’ዶ ኣላ? ንዝብል ዝቀረበ ሕቶ ‘ሓቂ ኣይኮነን’ ኢትዮጵያ ትሳተፈሉ ሚስጢራዊ ልዝብ የለን ኢሎም ኣቶ ዳዊት ይርጋ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:43 0:00

XS
SM
MD
LG