ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትግርኛ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ዘላሊ ዘሎ ድምፃዊ


ተስፋይ ገብረዮሃንስ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ስዋሂሊ ኣዋሲቡ ዘሰናደኣ ደርፊ ኣብ ሞዛምቢክ ማቡቱ ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ምርኢት ሙዚቃ ቀሪባ ፅቡቕ ናእዳን ተቐባልነትን ረኺባ’ላ።

እቲ መድረኽ ‘ኡሞጃ’ ዝብል መፀውዒ ዝተዋሃቦ እዩ ነይሩ። ብስዋህሊ ኡሞጃ ማለት ሕብረት ማለት’ዩ። ነዚ መድረኽ ምርኢት ሙዚቃ ድማ መንግስቲ ኖርወይ እዩ ኣሰናዲእዎ።

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ኣፍሪካ ስሙያት ደረፍቲ፣ ሳዕሳዕትን ሰርከስን ተሳቲፎም።

“ኣነ ኣብቲ መድረኽ ክሳተፍ ዝኻኣልኩ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝፍለጥ ስዋህሊን ትግርኛን ዝሓዘ ደርፊ ምስ ሰራሕኹ ነቲ ደርፈይ ዝሰምዕዎን ዝፈተዉዎን ኣሰናዳእቲ እቲ ብመሰረት ዘቕረቡለይ ዕድመ እዩ።” ይብል ተስፋይ።

ተስፋይ ሰርከስ ነታ ሙዚቃ ምስ ሓደ ማቶና ዝተብሃለ ታንዛንያዊ መምህር ሙዚቃ ብምዃን ብሓባር ከምዝሰረሑዋ ይገልፅ።

ኣብታ ደርፊ ጭራ፣ ቫዮሊንን ዑድን ዝተባሃሉ መሳርሕታት ሙዚቃ ሓዊሱ ብካልኦት ዓይነታት ሙዚቃ ተቓሚማ እያ ተሰሪሓ።

“ደርፊ ትግርኛ ባህላዊ መሰረቱ ከይሳሓተ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ቀሪቡ ተቐባልነት ክረክብን ክዓብን ንምግባር እዩ ሕልመይ” ይብል ከያኒ ተስፋይ።

ተስፋይ ገብረዮሃንስ ሓደ ካብቶም ኣብ ትግራይ ባህልን ኪነትን ትግራይ ንምዕባይ ዝፅዕሩ ዘለዉ ከየንቲ ምዃኑ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG