ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ 114 ኦሮሞቶት ተማሃሮ ዩኒቭርስቲ ተኣሲሮም


ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ሓደ ተሓላቒ መሰላት ገሊፁ

ኣብ ዩኒቨርስቲ ሚዛን ቴፒ፣ተጋሩ ተማሃሮ ምስ ፖለቲካን ዓሌትን ብዝተኣሳሰረ መጥቃዕቲ ንኦሮሞቶት ተማሃሮ ኣውሪዶምሎም ኢሎም ኣብ‘ቲ ቅፅሪ ግቢ‘ቲ ዩኒቨርስቲ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ንምግባር ንዝወፁ ኦሮሞቶት ተማሃሮ ፖሊስ ፌደራል ቀጥቂጥዎም።114 ተማሃሮ ኣሲሩ ንገሊኦም ድማ ወሲድዎም‘ዩ ይብል እቲ ዜና።

ካብ ሞንጎ‘ቶም ዝተኣሰሩ እቶም ኣርባዕተ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተወሲዶም ይብል ሊግ ሰብኣዊ መሰላት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓላፊኡ ኣቶ ጋሮማ በቀለ ኣቢሉ ዘውፀኦ መግለፂ።

እቲ ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ ዝመደብሩ ትካል መሰላት፣ዝርዝር ኣስማት‘ቶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተወሰዱ ተሰዊሮም‘ለው ዝበሎም ተማሃሮ ይጠቅስ።ግርማ ቱሩናን ደቻሳ ዊርቱን ካብ ዩኒቨርስቲ ሃሮማያ፣ጋዲሳ ረጋሳ ካብ ሃዋሳ፣ፈይሳ ፉፋ ካብ ዩኒቨርስቲ ወለጋ ምኻኖም‘ውን ይሕብር።

ድሕሪ‘ቲ ህውከት ኦሮሞቶት ዩኒቨርስቲ ሚዛን ቴፒ መለለዪ መንነቶም ከምዝተመንጠሉ፣ንጊዚኡ‘ውን እንተኾነ እንትርፊ ተጋሩ ተማሃሮ‘ቲ ዩኒቨርስቲ ካልኦት ብሙልኦም ካብ‘ቲ ዩኒቨርስቲ ከምዝወፁ ናይ‘ቲ ከባቢ ምንጩ ገሊፆምለይ ይብል እቲ ትካል።

ብዘይካ‘ዚ ሰበ-ስልጣን‘ቲ ከባቢ ብመሰረት ዘሕለፍዎ መምርሒ፣ናብ ኣዝማዶም ክምለሱ ዝመረፁ ተማሃሮ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ንከይተሓባበርዎም ተገይሩ‘ሎ ኢሉ‘ሎ እቲ ሊግ።

ናይ‘ቲ ትካል ሚድያ ከምዝፀብፀብዎ፣ኣብ ዩኒቨርስቲ ሚዛን ቴፒ ኣብ ዝተወለዐ ግጭት ዝተጎድኡ ተማሃሮ ናብ ሆስፒታል ጂማ ተወሲዶም‘ለው።

ሰሎሞን ክፍሌ ምስ ኣቶ ጋሩማ በቀለ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-ምልልስ ናይ‘ቶም ሃለዋቶም ተሰዊሩ‘ሎ ዝተባሃሉ ተማሃሮ ኩነታት ሓቲትዎም ”ኣይተረኽቡን፣ ብሕልፊ ካብ ዩኒቨርስቲታት ኣለማያ፣ሃዋሳን ወለጋን ዝተጨወዩ ተማሃሮ ኣለው።ካብ ኣላማያ ንኣዲስ ኣበባ ዝተወሰዱ ኣበይ ከምዝኣተው ኣይፈለጥናን ዘለና።ነፃርይን ኢና ዘለና” ኢሎም።

ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ሊግ ሰብኣዊ መሰላት ቀርኒ ኣፍሪቃ እንታይ ይገብር ኣሎ ንዝብል ሕቶ ድማ “ሊግ ሰብኣዊ መሰላት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ትሕዝቶ‘ቲ ክሲ ናብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ-ሃ፣ናብ ኮምሽን ስደተኛታት ሕ/ሃ፣ናብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪቃ፣ናብ ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ፣ናብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ናብ ሁማን ራይት ዋችን ከቅርብ‘ዩ” ይብሉ።

ብዛዕባ‘ዚ ዝቀረበ ክሲ መልሲ መንግስቲ ኢትዮዽያ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ዛጊድ ኣይሰለጠናን፣ፃዕሪና ግና ክቅፅል‘ዩ ይብል ሰለሞን ክፍሌ ካብ ክፍሊ ኣምሓርኛ።

XS
SM
MD
LG